ኣዲስ ኣበባ፣ 17 ሰነ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ) ዳታ ኣብ ዲጂታል ዓለም መረዳእታ፣ ውሳነን ምህዞን ዘንቀሳቕስ ቀንዲ ሓይሊ ኢዩ።
ሎሚ ዓበይቲ ኩባኒያታት ባህጊ ዓማዊለን ንምርዳእ፣ መንግሳት ውፅኢታዊ ፖሊሲታት ንምድላው፣ ሳይንትስታት ቀፃሊ ፀገማት ንምግማት ኣብ ዳታ ይድረኹ።
ዲጂታል ስርዓት መረዳእታ ብመገዲ ኤሌክትሮኒክስ ዝእክብ፣ ዝውድብ፣ ዘዋድድን ዘመሓላልፍን ቴክኖሎጂ ኢዩ።
ስርዓታት ባንኪ፣ መድረኻት ኢ-ኮሜርስ፣ ስርዓታት መረዳእታ ጥዕና፣ ፕላትፎርምስ ምምሕዳር ትምህርቲን ካልኦት ኣገልግሎታት መንግስቲን ኣብነታት ዲጂታል ስርዓት ኢዮም።
እዞም ስርዓታት ብትኽከል ንክሰርሑ ድማ ዳታ የድሊዮም።
ዳታ እንተዘይሃሊዩ እቲ ሰርዓት ተግባራዊ ክኸውን ኣይኽእለን። ዝተጋገየ ወይ ዘይተማልአ ዳታ ድማ ቅኑዕ ውፅኢት ኣየርክበን።
ዳታ፤ ደም ሱር ዲጂታል ስርዓት እንትበሃል እውን በዚ መንፅር ኢዩ።
ኢትዮጵያ ኣብቲ ዓውዲ ካብ እትረኽቦ ዘላ ስሉጥ ሽግግር ብምብጋስ ናብ ዲጂታል ኢኮኖሚ ብስሉጥ ትሸጋገር ኣላ።
ኣብ ኣገልግሎት መንግስቲ፣ ዓውዲ ባንኪ፣ ዓውዲ ጥዕናን ትምህርቲን ለውጢታት ኣብ ምስፍሕፋሕ ይርከቡ።
እዚ ለውጢ ቀፃልነት ንክህልዎ ዝተወደበ ምምሕዳር ዳታ፣ ፅርየት ዳታን ድሕንነት ዳታን ቆላሕታ ብምሃብ ክስረሐሎም ይግባእ።
ቀደማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ከምዝበልዎ፥ ጠንካራ ሃገረ መንግስቲ ንምህናፅን ናፅነት ፖሊሲ ንምርግጋፅን ሉእላውነት ዳታ ቁልፍን መሰረታዊን ጉዳይ ኢዩ።
ናይ ኢትዮጵያ ዳታ ናይ ምእካብ፣ ምውዳብን ምትንታንን ዓቕሚ ናብ ዝሓሸ ብርኪ ዘሸጋገሩ ናይቲ ዓውዲ ሰብ ሞያ ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ተፈጢሮም ኢዮም።
ሉኣላዊነት ኣካላዊ ዓቕሚ ዶብ ሃገር ምክልኻል ጥራሕ ዘይኮነስ ናይ ዳታ፣ ምግቢን ፖሊሲን ሉኣላዊነት ምርግጋፅ እውን ብምዃኑ ኣብ ምምሕዳር ዳታ ቆላሕታ ብምሃብ ይስረሐሉ ኣሎ።
ብኣመለወርቅ ደምሰው