ድሕንነቱ ዝተሓለወ ዲጂታል ስነ ምህዳር ሉኣላዊነት ሃገር መሰረታዊ ዓምዲ ኢዩ – ወ/ሮ ትእግስት ሃሚድ

ኣዲስ ኣበባ፣ 17 ሰነ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ኢትዮጵያ ድሕንነት ሳይበር ንሃገራዊ ልምዓትን ብሄራዊ ድሕንነትን ቁልፊ ስትራቴጂ ብምግባር ቅድሚት ሂባ እናሰርሐት ትርከብ ኢለን ዋና ዳይሬክተር ምምሕዳር መርበብ ሓበሬታን ድሕንነትን ትእግስት ሃሚድ።

3ይ ጉባኤ ዓለም ለኸ ድሕንነት ሳይበርን አርቴፊሻል ኢንተሌጀንስ (ሰብ ስራሕ ምስትውዓል)ን ምክያድ ጀሚሩ፡፡

እተን ዋና ዳይሬክተር ኣብቲ እዋን÷ ድሕንት ሳይበር ኣብዚ ሕዚ እዋን ካብ ቴክኒክ ስራሕ ናብ ዓለም ለኸ ስትራቴጂካዊ ቅድሚት ዝወሃቦ ጉዳይ ከምዝተሰጋገረ ኣመልኪቶም፡፡

ድህንነቱ ዝተሓለወ ዲጂታል ስነ ምህዳር መሰረታዊ ዓምዲ ሉኣላዊነት ሃገር ከምዝኾነ ብምሕባር÷ ኢትዮጵያ እውን ዘተኣማምን ዲጂታል ምምሕዳር ንምህናፅ ቆራፅ ኢያ ኢሎም፡፡

ብዘመን በየነ

Comments (0)
Add Comment