ድርብ ሓላፍነት …

ኣዲስ ኣበባ፣ 16 ሚያዚያ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ሃገራዊ ለውጢ ስዒቡ ኣብ ኢትዮጵያ ልዑል ትኹረት ተዋሂቡዎም ናብ ተግባር ካብ ሞንጎ ዝኣተዉ ጉዳያት ዲጂታል ቴክኖሎጂ ሓደን ቀንዲን ኢዩ።

ብፍላይ ቅድሚ ሕዚ ዘይተሰርሐሉን ናይ ዘመፅእ ዘበን ወሳኒ ትኹረት ዝኾነ ኣርቴፊሻል ኢንተለጀንስ (ሰብ ስራሕ ምስትውዓል) ኢትዮጵያ ጭቡጥ ውፅኢት ምምፃኣ ኩሉ ዝርደኦ ሓቂ ኩይኑ ኣሎ።

‘ኣርፊድካ ናይ ምብፃሕ ድኽመት ብምሕዳግ ቀዲምካ ናይ ምብፃሕ ትርፊ ምቁዳስ’ ብዝብል መምርሒ ብቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ኣመራርሓ ዝተተግበረ ስራሕቲ ዓውዲ ሰብ ስራሕ ምስትውዓል ኣብ ጉዕዞ ልዑል ዝላ ይርከብ።

እዚ ዝተዓዘበ ሕብረት ኣፍሪካ ነቲ ዓውዲ ዘሎ ቆራፅነት ብምርኣይ ንቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ መራሒ ሰብ ስራሕ ምስትውዓልን ዲጂታል ጥዕናን ብምግባር ሾይሙዎም።

ኣብ መሪሕነቶም ድማ ንዕቤት ዲጂታል ቴክኖሎጂ ኣፍሪካ ዘበኑ ዝጠልቦ ኣስተዋፅኦ ክገብሩ ኢዮም ዝብል ትፅቢት ኣሎ፡፡

ከም ሓበሬታ ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪካ ስግግር ዲጂታል ቴክኖሎጂ ኣፍሪካ ብቕልጡፍ እናዓበየ ዝመፅአ እንትኸውን ካብ ሓፈሻዊ ፍርያ እታ ኣህጉር 9 ሚኢታዊ ዝሽፍን እዚ ዓውዲ ኢዩ፡፡

ኣብታ ኣህጉር ኣብ ዝሓፉ ዓሰርተ ዓመታት ጥራሕ ኣጠቓቕማ ኢንተርኔት 21 ነጥቢ 4 ሚኢታዊ ዕቤት እናርአየ ብሚሊየን ዝቑፀሩ መናእሰይ ኣብቲ ዓውዲ ተጠቀምቲ ዕድል ስራሕ ኮይኖም ኢዮም።

ኣብ ዓውዲ ዲጂታል ቴክኖሎጂ ሓዱሽ ክስተት ዝኾነ ሰብ ስራሕ ምስትውዓል ብተመሳሳሊ ብቕልጡፍ እናዓበየ ዝመፅአ እንትኸውን፤ ኣብ ዓውዲታት ሕርሻ፣ ትምህርቲን ጥዕናን ኣብ ረብሓ እናወዓለ ይርከብ።

ሰብ ስራሕ ምስትውዓል ንምድንፋዕ ብምሕሳብ ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን 2025 ኣብ ሩዋንዳ ኪጋሊ ኣብ ዝተኻየደ ጉባኤ 60 ቢሊየን ዶላር ፈንድ ዕላዊ ተገይሩ ናብ ተግባር ኣቲዩ ኢዩ።

ዲጂታል ቴክኖሎጂ ኣፍሪካ ብቕልጡፍ እናተስፋሕፈሐ ኣብ ዝመፅአሉ እዋን ንቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) መሪሕ ሰብ ስራሕ ምስትውዓልን ዲጂታል ጥዕናን ሕብረት ኣፍሪካ ብምግባር ምሻሙ ናይቲ ሕብረት ቆራፅነት ዘርኢ ኢዩ።

እቲ ሹመት ዝተውሃ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ነቲ ዓውዲ ብምምራሕ ስራሕቲ ሰብ ስራሕን ምስትውዓልን ስራሕቲ ፈጠራን ብምስፋሕ ብዘምፅኡዎ ዕዙዝ ውፅኢት ኣፍልጦ ካብ ምሃብ ሓሊፉ እታ ኣህጉር ኣብቲ ዓውዲ ዘሎ ቆራፅነት ዘርአየ ኢዩ።

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ (ዶ/ር) ዲጂታል ትራንስፎርሜሽንን ኣደሽቲ ቴክኖሎጂታትን ንምስፋሕ ዝገበሩዎ ኣመራርሓ ሰብ ስራሕ ምስትውዓል ንሉኣላዊነት፣ ውፅኢታውነትን ኣሳታፋይነትን ኣፍሪካ ወሳኒ መሳርሒ ኮይኑ ንኸገልግል ልዑል ሓገዝ ገይሩ ኢዩ።

ብምዃኑ ድማ ኢትዮጵያ ዘለዋ ልምዲ ንኣፍሪካ ንምክፋል ከምኡ እውን ብቕልጡፍ ምስ ዝለዋወጥ ቴክኖሎጂ ዓለም ውፅኢታዊ ብዝኾነ መልክዑ ንምስጓም ዘኽእሉ ጥንኩራት ምሕዝነታት ንምምስራት ዘለዋ ቆራፅነት ዳግም ኣረጋጊፆም።

ብሚኪያስ ኣየለ

Comments (0)
Add Comment