ኣዲስ ኣበባ፣ 30 ሚያዚያ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ጋዜጠታት ሞያኦምን ሕጊን ብኸመይ ክኽተሉ ከምዘለዎም ክፈልጡ ይግባእ ኢሎም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር)፡፡
ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ (ዶ/ር) ኣብ ዝተረኸቡሉ ”ዕቤት ሚዲያ ንህንፀት ያታ” ብዝብል መሪሕ ቃል ኣብ ዓውዲ ሚዲያን ትካላትን ዝተመዝገቡ ዓወታት ዝዝቲ መድረኽ ተኻይዱ።
እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብቲ መድረኽ ኣብ ዓውሲ ሚዲያን ትካላትን ብዝምልከት ዘለዎም ሓሳብ ኣካፊሎም፡፡
በዚ ድማ ፅባሕ ለውጢ ናፅነት ሓሳብ መራኸብቲ ሓፋሽ ንኽኽበርን ብሞያኦም ምኽንያት ዝተኣሰሩ ጋዜጠኛታት ክፍትሑ ከምዝተገበረ ኣዘኻኺሮም።
ናፅነት መራኸብቲ ሓፋሽ ንምርግጋፅ ዝተዓፀዉ ሚዲያታት ንኽኽፈቱ ከምኡ እውን ዝተኸልከሉ ሚዲያታትን ጋዜጠኛታትን ናብ ሃገር ክኣትዉን ኣሰርቲ ሕጊታት ክመሓየሹን ከምዝተገበረ ኣብሪሆም፡፡
ነገር ግን ናይ ለውጢ መንግስቲ ኣብ ዓውዲ ሚዲያ ዘበረታትዕ ስጉምቲ ይውሰድ እምበር ጋዜጠኛታት ናፅነት ከመሓድሩ ብዘይምኽኣሎም ብዙሓት ፀገማት ኣጋጢሞም ኢዮም ኢሎም፡፡
ሚዲያ ክፍቲ ክኸውን ድሕሪ ምግባሩ ብቐሊሉ ናብ ኢንዱስትሪ ንምእታው ዝተፀገሙ መራኸብቲ ሓፋሽን ጋዜጠኛታት ኣለዉ ዝበሉ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር÷ ጋዜጠኛታት ሞያኦምን ሕጊን ብኸመይ ክኽተሉ ከምዘለዎም ክፈልጡ ይግባእ ኢሎም፡፡
ብሚኪያስ ኣየለ