ኣዲስ ኣበባ፣ 29 መስከረም፣ 2019 ዓ.ም. (ኤፍ ኤም ሲ)ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ኢትዮጵያ ጌዲዮን ጢሞቲዎስ (ዶ/ር) ምስ ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ህንዲ ሱብራማንያም ጃይሻንካር (ዶ/ር) ኣብ ክልተኣዊ ርክብን እዋናዊ ዞባዊ ጉዳያትን ኣድሂቦም ተዛቲዮም።
እቶም ሚኒስትራት ርክብ ክልቲአን ሃገራት ኣብ ዓውዲታት ትምህርቲ፣ ባህሊ፣ ንግዲን ኢንቨስትመንትን ወፍርን፣ ከምኡ እውን ኣብ ዲጂታላይዜሽን ብዝያዳ ንምስፋሕን ንምጥንኻርን ተመያይጦም።
ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ህንዲ ኣብ ቀረባ እዋን ብኣሰናዳእነት እታ ሃገር ዝተኻየደ ጉባኤ መራሕቲ ብሪክስ ኢትዮጵያ ንዝነበራ ዕዉት ተሳትፎ ምስጋና ኣቕሪቦም።