ኣዲስ ኣበባ፣ 16 ሚያዝያ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ) ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ጌዲዮን ጢሞቲዎስ (ዶ/ር) ምስ ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ስዊድን ማሪያ ማልመር ስቴነጋርጋርድ ተዛትዮም።
እቶም ሚኒስትራት ኣብ ስዊድን ስቶኮልም ዘካየድዎ ዘተ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪካን ዓለም ለኸ ጉዳያትን ዘተኮረ እዩ ኢሎም።
ጌዲዮን (ዶ/ር) ክልቲአን ሃገራት ታሪኻውን ነዊሕ ዝፀንሐን ዝምድና ከምዘለወን ብምሕባር ምሕዝነት ምጥንኻር ከምዘድሊ ተዛሪቦም፡፡
ርክብ ንግድን ኢንቨስትመንትን ብዝበለፀ ምጥንኻር ከምዘድሊ ገሊፆም፤ ኩባንያታት ስዊድን ኣብ ኢትዮጵያ ተፈጢሩ ዘሎ ምቹእ ናይ ኢንቨስትመንት ዕድላት ክጥቀምሉ ፃውዒት ቀሪቡ፡፡
ማሪያ ማልመር ስቴነርጋርድ ብወገነን ርክብ ክልቲኤን ሃገራት ድልዱል ምዃኑን ብምሕባር፤ ስዊድን ኣብ ክልተኣውን ብዙሕነታውን ጉዳያት ምስ ኢትዮጵያ ዘለዋ ምትሕብባር ዝያዳ ከተጠናኽር ከም እትደሊ ኣመልኪታ ክብል እቲ ሚኒስትሪ ኣብ ዘውፅኦ ሓበሬታ የመልክት።