ኣዲስ ኣበባ፣ 13 ግንቦት፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ) ግብፂ ኣብ ልዕሊ ሃገራት እቲ ዞባዊ ሸቶታት ልምዓተን ንኸይዕወት እትፍፅሞ ማህሰይቲ ሓዱሽ ተርእዮ ዘይኮነስ ንዘመናት ክትክተሎ ዝፀንሐት ስትራተጂ እዩ ኢሉ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ።
ውሃቢ ቃል እቲ ሚኒስትሪ ኣምባሳደር ነብያት ጌታቸው ሎሚ ኣብ ዝሃብዎ መግለፂ፤ ግብፂ ብሄራዊ ረብሓታት ኢትዮጵያ ከይኽበር ፅዕንቶ እናገበረት ምኳና አረዲኦም።
ግብፂ እቲ ዞባ ናብ ወጥሪ ንክኣትው ዝገብሩ ዝተፈላለዩ ምግፋዕ ከምዘካየደት ብምዝኽኻር እዚ ምግፋዕ ሓድሽ ዘይኮነስ ንነዊሕ እዋን ክትክተሎ ዝፀንሐት ስትራተጂ ምዃኑ ኣብሪሆም።
ብፍላይ ኢትዮጵያ ሕቶ በሪ ባሕሪ ምቅራባ ስዒቡ ግብፂ ነቲ ሕቶ ንምዕፋንን ኣቓልቦ ንምስሓብን ፀቕጢ ምግባር ቀፂላ ኢሎም።
ብሚኪያስ ኣየለ