ኣዲስ ኣበባ፣ 26 ሓምለ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ምድሪ ሓምለዋይ ክትለብስ ምግባር፣ ተፈጥሮ ምክንኻንን ከባቢ ምሕላውን ናይ ሓደ እዋን ተግባር ጥራሕ ዘይኮነስ ናይ ወለዶታት ታሪኻዊ ሓላፍነት እዩ።
ሎሚ እንተኽሎ ፈልሲ ናይ ፅባሕ ህይወት ይሃንፅ፤ እንሕልዎ ተፈጥሮ ድማ ዕጫ ደቅና ይውስን።
በዚ መንፈስ ኣብ ኢትዮጵያ ዝተጀመረ መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ካብ ምስፍሕፋሕ ተኸላ ፈልሲ ሓሊፉ ኣብ ሓለዋ ከባቢ፣ ውሕስነት ምግቢን ኢኮኖሚያዊ ዕብየትን ብሓደ ዘጠቓለለ ሃገራዊ ጎስጓስ እዩ።
ካብ ኣኽራን ክሳብ ሓጓፍ ሽንጥሮ፣ ካብ ገጠር ክሳብ ከተማ ናይ ተስፋ ፈልሲታት እናተተኸሉ እንትኾኑ፤ ናይ ፅባሕ ኢትዮጵያ ሓምለወይቲ ክትከውን ናይ ምግባር ራኢ ጋህዲ እናኾነ ይርከብ።
ኣብዚ ሃገራዊ ጉዕዞ እጃም ሰብ ሞያ ኪነ ጥበብ ፍሉይ ትርጉም ዘለዎ እዩ፤ ምኽንያቱ ድማ ብፈጠራኦም ልቢ ሰብ ይትንክፉ፣ ብድምፆም ማሕበረሰብ የንቅሑ፣ ብተግባሮም ድማ ኣርኣያ ይኾኑ።
ከም ሓምለዋይ ኣሰር ዝበሉ ሃገራዊ ጎስጓሳት ኣብ ተኸላ ፈለስሲ ካብ ምስታፍ ሓሊፉ ሃገራዊ ረብሓኦም ብዝምልከት ንህዝቢ ግንዛበ ንምዕባይ ልዑል ኣስተዋፅኦ የበርክቱ።
ኣርቲስት ጥላሁን ጉግሳ ከምዝብሎ፤ መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ንኢትዮጵያ ጥራሕ ዘይኮነስ ንዓለም ለኸ ማሕበረሰብ እውን ኣርኣያ ክኸውን ዝኽእል ተግባር እዩ።
ዕላማ እቲ መርሃ ግብሪ ብምሉእ ንኽዕወት ካብ ምትካል ፈልሲ ሓሊፉ ህልውና እቶም ፈልሲታት ዘረጋግፅ ስርዓት ክትትልን ክንክንን ክጠናኸር ከም ዘለዎ ገሊፁ።
ኣርቲስት ሚካኤል ሚሊዮን ብወገኑ፤ ሰብ ካብ ምድሪ ተመጊቡን ምስተጠቐመ መሊሱ ክከናኸና ግቡኡ ከምዝኾነ ተዛሪቡ።
ፈልሲ ምትካል ምስ እምነት፣ ውዕለታ ተፈጥሮን ሓላፍነት ትውልዲን ብምትእስሳር ዝገለፀ እቲ እቲ ኣርቲስት፤ ምትካል ፈልሲ ፖለቲካዊ ጉዳይ ዘይኮነስ ሕቶ ቀፃልነት ህይወትን ህልውና ተፈጥሮን ምዃኑ ኣገንዚቡ።
ፈልሲ ምትካል ንደቅና ተስፋ ምዝራእን ምስዝመፅእ ወለዶ ዘይፈርስ ውዕሊ ምፍርራምን ከምዝኾነ ብምግላፅ፤ ንዝመፅእ ወለዶ ከም እንሓስብ ዘርኢ ዓብዪ ምልክት እዩ ኢሉ።
ሓምለዋይ ተፈጥሮን ዝህበካ ንፁህ ኣየር፣ ናይ ኣእምሮ ዕረፍቲን ናይ መንፈስ ዕግበትን ንጥዕና ደቂ ሰባት ኣዝዩ ወሳኒ ምዃኑ ዝተዛረበ ድማ ደራሲን ዳይሬክተርን ፊልሚ ኣርቲስት ቴዎድሮስ ተሾመ እዩ።
ተፈጥሮኣዊ ፅባቐ ንፊልምን ንኻልኦት ዘፈራት ስነ-ጥበብን ዘይውዳእ ፍልፍል ፈጠራ ምዃኑ ብምግላፀ፤ ከም ሃገር እንደልዮ ምህርቲ ፍረምረ፣ ሃፍቲ ደኒን ልምላመ ከባቢን ንምዕባይ ሓምለዋይ ኣሰር ኣማራፂ ዘይብሉ መገዲ ልምዓት ከምዝኾነ ገሊፁ።
እቶም ሰብ ሞያ ኪነ ጥበብ፤ ጥበብን ሓምለዋይ ልምዓትን ብሓባር እንትሳገሩ ተፈጥሮ ይልምልም፣ ፈጠራ ይምዕብል፣ ማሕበረሰብ ይጠናኸር፣ ተስፋ ናይ ፅባሕ ኢትዮጵያ እውን ጋህዲ ይኸውን ኢሎም።
ሎሚ እንተኽላ ሓንቲ ፈልሲ ፅባሕ ንኢትዮጵያ ዝሃንፅ ህያው ኣሰር ስለዝኾነ፤ እዚ ኣሰር ብሓባር ብምቕፃል ሓምለወይቲን ዝማዕበለትን ኢትዮጵያ ንዝመፅእ ወለዶ ንምርካብ ዘለና ሓላፍነት ክንፍፅም ይግባእ።
ብዮናስ ጌትነት