ፅሬት ዘይብሉ ትምህርቲ መዘዙ ኣብ ክፍሊ ጥራሕ ዝተርፍ ኣይኮነን – ብርሃኑ ነጋ (ፕ/ር)

ኣዲስ ኣበባ፣ 20 ሰነ ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ሚኒስትር ትምህርቲን ቻንስለር ዩኒቨርሲቲ ኣዲስ ኣበባ ብርሃኑ ነጋ (ፕ/ር)ፅሬት ዘይብሉ ትምህርቲ መዘዙ ኣብ ክፍሊ ጥራሕ ዝተርፍ ኣይኮነን ኢሎም።

ዩኒቨርሲቲ ኣዲስ ኣበባ ንመበል 76 ግዘ ዘሰልጠኖም 6 ሺሕን 417 ተምሃሮ ኣመሪቑ፡፡

ብርሃኑ ነጋ (ፕ/ር) በኣብቲ ስነ ስርዓት ምረቓ ኣብ ዘመሓላለፉዎ መልእኽቲ፤ ሓደ ትውልዲ ብፍልጠት ሃኒፅካ ዘይምውፃእ ንትካላዊ ድኽመት ምኽንያት ኢዩ ኢሎም።

ፅሬት ዘይብሉ ትምህርቲ መዘዙ ኣብ ክፍሊ ጥራሕ ዝተርፍ ከምዘይኮነ እውን ኣገንዚቦም።

ትካላት ብግልፅነትን ተኣማንትን ናይ ህዝቢ ኣገልገልቲ ኣብ ክንዲ ምዃን ንብልሹው ኣሰራርሓ ዝቃልዑ ብፍልጠት ዝማዕበለ ትውልዲ ከፍርዩ ብዘይምኽኣሎም ከምዝኾነ ገሊፆም።

ብምዃኑ ድማ እዚ ፀገም ንምፍታሕ ዝሐሸ ዓወት ካብ ዘመዝገባ ሃገራት ተሞክሮ ብምቕሳም ናብ ስራሕ ከምዝተኣተወ ብምግላፅ፤ ኣብ ብቕዓት ዝተመስረተ ብሃገር በቆል ፍልጠትን ስነ ምግባርን ዝተቓነየ ስርዓተ ትምህርቲ ከምዝተሰናደአ ሓቢሮም።

ብይስማው ኣደራው

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment