ኣዲስ ኣበባ፣ 26 ሓምለ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ናይ ኢትዮጵያ ክረምቲ ካብ ሰነ ክሳብ መወዳእታ መስከረም ዝፀንሕ እዋን ኮይኑ፤ ምድሪ ዘለምልም፣ ዝዓረቐ ዝደረቐን ኣኽራንን ሜዳን ብሓምለዋይ ዝሽፍንን ንህይወትን ሓዱሽ ምስሊን ዝህብ ዘደንቕ ህያብ ተፈጥሮ እዩ።
እዚ እዋን ዝናብ ሓረስቶት ጥራሕ ዘይኮኑስ እንስሳትን ኣዕዋፍን ህይወት ዝዘርኡሉ ወቕቲ እዩ።
ምስ ጥንታዊ ፍልስፍና ሓለዋ ተፈጥሮን ባህሊ ተኸላ ፈልስን ኢትዮጵያውያን ብስዉር ክሪ ዝተኣሳሰረ ናይ ኢትዮጵያ ክረምቲ፤ ተፈጥሮ ብልግሲ ትዕድሎ በረከት ዝናብ ብምጥቃም ሕብረተሰብ ልምላመ ምድሪ ንምምላስ ኢዱ የልዕል፤ በዚ ድማ ፃዕሪ ወዲ ሰብ ምስ ዑደት ተፈጥሮ ተሰማዕሚዑ ዝፈስስ ዓብዪ ሃገራዊ ሓቂ ይቕላዕ።
ኣብ ኢትዮጵያ ተማሃሮ ኣብ እዋን ክረምቲ ፈልሲ ንምትካል ይሓስቡ፤ ኣብ እዋን ሓጋይ ብዙሕ ክንክን እንተዘይገበሩሎም እኳ ክረምቲ ቅድሚ ምውፅኡ እቶም ተኽልታት ሱሮም ናብ ውሽጢ ምድሪ ብዕምቆት ንኽዝርግሑ ብዝበለፀ ክፀንዑን ምግባሮም ዝተለመደ ባህሊ እዩ።
ምድሪ ብዝናብ ምስተርከሰት ምሉእ ዓመት ነቒፆም ዝነበሩ ሩባታት ማይ ይመልኡ፤ ይትረፍ እሞ ተሓሲቡሉ ጉድጓድ ተዂዒቱ ዝተተኽለ ፈልሲ ብኣጋጣሚ ናብ መሬት ዝወደቐ ፍረ እውን ከይበቖለ ኣይተርፍን።
ክረምቲ ዘየልምልሞን ዘየፅድቖን ነገር የለን፣ ማህፀን ድማ ዘይፈርዮ ፅባቐ የለን።
ኢትዮጵያ እውን ነዚ ምኽንያት ብምግባር መርሃ ግብሪ ሓለዋይ ኣሰራ ንምትግባር እዚ እዋን ዝመረፀቶ።
ኣብ ኢትዮጵያ ፈልሲ ምትካልን ከባቢ ምሕላውን ምስ ስነ-ኣእምሮ ማሕበረሰብ፣ እምነትን ባህላዊ ክብሪታትን ዝተኣሳሰረ ሓድጊ ብዙሓት ወለዶታት እዩ።
እዚ ዝነበረ ዝተዋደደን ባህሊ ተኸላ ፈልሲ ኣብ ዘበንና ናብ ዝተቐፃፀለ ጎስጓስ “ሓምለዋይ ኣሰር” ብምስግጋር ህፃን ዓብዪ እንተይበለ ብሚሊየናት ዝቑፀሩ ዜጋታት ብሓድነት ዝውሕዙሉን ኣሰሮም ዘዕርፉሉን ሃገራዊ ጎስጓስ ኮይኑ ኣሎ።
ኢትዮጵያም ፅባሕ 27 ሓምለ 2018 ዓ.ም ኣብ ሓንቲ ፀሓይ 800 ሚሊየን ፈልሲታት ንምትካል ተሰናዲኣ ኣላ።
እዚ መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ‹‹ተስፋን ንትከል›› ብዝብል መሪሕ ቃል ተፈጥሮኣዊ ፀጋ ክረምቲ ምስ ሓበራዊ ባህሊ ስራሕ ኢትዮጵያውያን ተዋሂዱ ናይ ፅባሕ ሃገር ብልምላመ ንምህናፅ ዘኽእል ዘይናወፅ መሰረት ኣንቢሩ ኣሎ።
ብእመቤት ሲሳይ