ኣዲስ ኣበባ፣ 10 ሕዳር፣ 2019 (ኤፍ ኤም ሲ)ዘይጋዊ ጉጅለ ህወሓት ፍትሓዊ ተረባሕነት ህዝቢታት ኣብ ክንዲ ምርግጋፅ ንዴሞክራሲ ብምቕራብ ሃፍቲ ሰበስልጣናቱ መኻዕበቲ ስርዓት ብምፍጣር ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያውያን ግፍዒ እናፈፀመ ዝነበረ እኩብ እዩ፡፡
ብልዑል ቅርታን ብርቱዕ ተቓውሞን ህዝቢ ኣብ 2010 ዓ.ም ጋህዲ ዝኾነ ሃገራዊ ለውጢ ብስስዐ እቲ ዘይሕጋዊ ጉጅለ ዝተጎድአ ፍትሓዊ ተረባሕነት ዜጋታት፣ ዴሞክራሲን ዘላቒ ሰላምን ንምርግጋፅ ኣብ መላእ ሃገር ቅልጡፋት ስጉምትታት ምውሳድ ጀሚሩ።
ኣብቲ እዋን ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ናብ ኩለን ከባቢታት ሃገር ብምጉዓዝ ብሰንኪ ጨቋኒ ስርዓት እቲ ጉጅለ ንዓመታት ተዓፊኑ ዝፀንሐ ሕቶ ህዝቢ ብምስማዕ ምላሽ ንምሃብ ቃል ምእታዎም ኣይርሳዕን።
እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብቲ ሃገራዊ ዑደቶም ኣብ ዝተፈላለዩ እዋናት ናብ ከተማታት ክልል ትግራይ ብምኻድ ምስ ህዝቢ ዘተ ኣካይዶም እዮም።
ንኣብነት 5 ሚያዝያ 2010 ዓ.ም ናብ ርእሰ ከተማ ክልል ትግራይ መቐለ ከምኡ እውን ብ2 ሰነ ኣብቲ ዓመት ናብ ኣኽሱም ብምኻድ፣ ምስ ነበርቲ እተን ከተማታት ዘተታት ኣካይዶም እዮም።
ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ (ዶ/ር) ኣብቶም መድረኻት ዘተ ንዝቐረቡሎም ሕቶታት ኣብ ዝሃቡዎ ምላሽ፤ መንግስቶም ሕቶታት ህዝቢ ንምምላስ ምስ ኣመራርሓ እቲ ክልል ተሓባቢሩ ከም ዝሰርሕ ኣረጋጊፆም ነይሮም።
ህዝቢ ትግራይ እውን ኣብ ሰላምን ልምዓትን ከድህብ፣ ኣብቲ እዋን እቲ ክልል እናመርሐ ንዝነበረ ህወሓት እውን ኣብ ቃልሲ ህዝቢ ኣንፃር ድኽነት ብትግሃት ክሰርሕ ፃውዒት ምቕራቦም ይዝከር።
ፃዕሪ ሰላም እቶም ቀዳማይ ሚኒስትርን መንግስቶምን በዚ ኣይተዛዘመን፤ ዝኾነ ይኹን ዓይነት ፀገማት ብውሽጣዊ መፍትሒ ክፍታሕ ብምብሃግ ብሄራዊ ኮሚሽን ዕርቀ ሰላም ብምጥያሽ ካሊእ ዕላዊ ፃውዒት ሰላም ኣቕሪቦም።
እቲ ኮሚሽን ብዝተፈላለዩ ምኽንያታት ኣብ መንጎ ህዝብታት ዝተኣከቡ ስምዒታት ቂምን ቅርሕንትን ንምሕካም ኣብ ሓቂን ፍትሒን ዝተመስረተ ዕርቂ ንምምፃእ ብዝብል ዕላማ ጥሪ 2011 ዓ.ም ብባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ፀዲቑ እዩ ተጣይሹ።
ንኹሎም እዞም ፃዕርታት ሰላም ግን ኣብቲ እዋን ኣብ መቐለ ተሸጒጦም ንዝነበሩ ተሰኸልቲ ዝነበሮም መራሕቲ እቲ ዘይሕጋዊ ጉጅለ ሰላም ኣይንደልን ዝብል ምላሽ እዮም ሂቦም።
ነዚ ድማ እቲ ጉጅለ 9 ሰነ 2012 ዓ.ም ናብ መቐለ ንዝተጓዕዘ ልኡኽ ሰላም ጉባኤ ትካላት ሃይማኖት ኢትዮጵያን ዓበይቲ ዓዲን ዝሃቦ ምላሽ ፀረ ሰላም ምዃኑ ዘርኣየሉ ኩነታት ነይሩ።
50 ኣባላት ዝሓቖፈ ልኡኽ ሰላም ኣብ መንጎ ፌዴራል መንግስቲን ክልላዊ መንግስቲ ትግራይን ዘሎ ዘይጥዑይ ርክብ ንምምሕያሽ ንምእማን ዝዓለመ እዩ ነይሩ።
ደገፍቲ እቲ ዘይሕጋዊ ጅለ ግን ንኣባላት እቲ ልኡኽ ሰላም ብምፅራፍን ብምንእኣስን ኣብቲ ፃዕሪ ሰላም ዕንቅፋት ፈጢሮም።
ፃዕሪ ሰላም እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ግን ሕዚ እውን በዚ ኣይተወድአን፤ 12 ጥቅምቲ 2012 ዓ.ም ኣብ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ብምርካብ ህወሓትን ገለ ደገፍቱን ነቲ ለውጢ ከም ዕድል ተጠቒሞም ብሓባር ክሰርሑን ሃገር ዘፍርስ ተግባራት ካብ ምፍፃም ክቑጠቡን ምኽሪ ሂቦም ነይሮም።
ኣብታ ዓመት ክካየድ ተሓሲቡ ዝነበረ ሓፈሻዊ መረፃ ብሰንኪ ለበዳ ኮቪድ-19 ክናዋሕ ዘገድድ ኩነታት ብምፍጣሩ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢን ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽንን እቲ መረፃ ክናዋሕ ውሳነ ምሕላፎም ይዝከር።
ብፃምእ ኲናት ዝተውሓጠ ዘይሕጋዊ ጉጅለ ህወሓት ግን ንህዝቢ ካብ ሓደጋ ንምሕላው ዝተመሓላለፈ ውሳነ ኣይቅበልን ብምባል ተዃሳሒ ተግባሩ ኣጠናኺሩ ቀፀለ፡፡
እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብቲ እዋን፤ መንግስቲ ክልል ትግራይ ናይቶ ኣብያተ ምኽሪ ሕጋዊ ውሳነ ንጎኒ ብምባል ናይ ጨርባሕባሕ መረፃ ምክያዱ ንህዝቢ ካብ ምጉዳእ ሓሊፉ እጃም ከምዘይህልዎ ኣገንዚቦም ነይሮም፡፡
1 ሰነ 2012 ዓ.ም ኣብ ዘስምዑዎ መደረ፤ ህወሓት ሓደ ፖለቲካዊ ፓርቲ እምበር ህዝቢ ከምዘይኮነ ብምግላፅ መንግስቲ ንህዝቢ ዝገብሮ ሓገዝ ከምዘጠናኽር ዳግም ኣረጋጊፆም።
ኣብ 2013 ዓ.ም ቅድሚ ሓድሽ ዓመት ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት፣ ህዝቢ ትግራይ ዘድልዮ ኲናት ዘይኮነስ ልምዓትን ምዕባለን ምዃኑ ብምግላፅ እቲ ዘይሕጋዊ ጅለ መንግስቲ ናይ ሓይሊ ኣማራፂታት ንኽወስድ ካብ ዘለዓዕሉ ተንኮላት ክቑጠብ ኣተሓሳሲቦም ነይሮም።
እንተኾነ ግን እቲ ጉጅለ ካብ መሰረቱ ጀሚሩ ናይ ኲናት ፃምእ ዝተጣበቖ ብምዃኑ፤ እዚኦምን ካልኦት ብዙሓትን ፃዕርታት ሰላም ካብቲ ናይ ኲናት ሕማሙ ከትርፉዎ ኣይከኣሉን።
በዚ ድማ 24 ጥቅምቲ 2013 ዓ.ም ኣብ ልዕሊ ኣባላት ሰራዊት ምክልኻል እዚ ሰሜን ኣብ ህልም ዝበለ ፀልማ ለይቲ ብተንኮልን ኽሕደትን ብዝተመልኦ ኣዝዩ ዘስካሕክሕ መጥቃዕቲ ፈፂሙ፤ ሓዊ ኲናት ወሊዑ።
በቲ ኲናት ንመናእሰይ ትግራይ ኣብ ኲናት ብምድጓን ካብ ሕልሞም ኣቋሪፅዎም፤ ኣዴታት ትግራይ ብዘይ ደጋፊ ኣትሪፉወን፤ መሰረተ ልምዓት ህዝቢ ብምዕናው ልምዓት እቲ ክልል ኣቋሪፁ።
ሎሚ እውን እቲ ዘይሕጋዊ ጅለ ጥፍኣት ህዝቢ ትግራይ ምስ ዝምነዩ ታሪኻዊ ፀላእቲ ኢትዮጵያ ዘይተቐደሰ ምሕዝነት ብምፍጣር ነቲ ክልል ንምሕማስ ብዙሕ ፈቲኑ እዩ።
መንግስቲ ኣዕናዊ ሳዕቤን ኲናት ብምግንዛብ ንዓመታት ዘርአዮ ሰፊሕ ትዕግስቲ ከም ፍርሒ ዝቖፀሮ ዘይሕጋዊ ጅለ፤ ብዝተወሰደሉ ስጉምቲ ኣብ ዝተፈላለዩ ኩርናዓት ተበታቲኑ ንሞቱ እኳ እንተተቓለሰ ብሓባራዊ ስራሕ መንግስቲን ህዝቢን ዳግም ንኸይምለስ ቀብሩ ተፈፂሙ እዩ።
ብሃይለማርያም ተገኝ