ፓርቲ ብልፅግና ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ክልል ኣምሓራ ጎስጓስ መረፃ ኣካይዱ

ኣዲስ ኣበባ፣ 14 ግንቦት፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ) ክንፊ መናእሰይ ፓርቲ ብልፅግና ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ክልል ኣምሓራ መርሃ ግብሪ ጎስጓስ መረፃ ኣካይዱ።
እቲ መርሃ ግብሪ “ዝዓበየ ተሳትፎ መንእሰያት፤ ኢትዮጵያ ናብ ተምሳሌት ሃገር” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ተኻይዱ።
እቲ ጎስጓስ መረፃ ኣብ ደብረ ማርቆስ፣ ፈኖተሰላም፣ ዓዴት፣ ግደወይን፣ ፈለገ ብርሃን፣ ከተማታት ደብረወርቅን ካልኦት ከባቢታትን ምክያዱ ተገሊፁ።
ኣባላትን ደገፍትን ክንፊ መንእሰያት ፓርቲ ብልፅግና ከምኡ እውን ነበርቲ እቲ ከባቢ ኣብ ጎስጓስ መረፃ ተሳቲፎም።
እቶም ተሳተፍቲ መናእሰይ ኣብዚ እዋን ልምዓትን ሓድነትን ሃገር ዘጠናኽሩ ዝተፈላለዩ እዋናውን ሃገራውን መልእኽትታት ኣቕሪቦም።
ንፓርቲ ብልፅግና ዘለዎም ሓያል ደገፍ ዝገለፁ መንእሰያት፣ ተጀሚሩ ንዘሎ ጉዕዞ ብልፅግና ኣብ ምዕዋት እጃሞም ንምፅዋት ድልዋት ምዃኖም ኣረጋጊፆም።
ኣብ 7ይ ሓፈሻዊ መረፃ መናእሰይ ብንጥፈት ክሳተፉ ከምዘለዎም እውን ኣመልኪቶም።
Comments (0)
Add Comment