ኣዲስ ኣበባ፣ 25 ሰነ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)መሪሕ ፓርቲ ዛኑ-ፒኤፍ ዚምባብዌ ንቀደማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር)፣ ፓርቲ ብልፅግናን ህዝቢ ኢትዮጵያን ናይ እንቋዕ ደስ በለኩም መልእኽቲ ኣቕረቡ።
መበል ሻውዓይ ሓፈሻዊ ምርጫ ኢትዮጵያ ብዓወት ምዝዛሙ ስዒቡ፥ ካብ ኣሓት ፓርቲታት ፖለቲካን ዓለም ለኸ መሓዙትን ዝተልኣኹ ዕላዊ ናይ እንቋዕ አሐጎሰኩም መልእኽቲታትን ደብዳበታትን ምልኣኾም ይቕፅሉ ኣለዉ።
እዚ ሰፊሕ ዓለም ለኸ ኣፍልጦ፥ ኢትዮጵያ ዘመዘገበቶን ዝበፅሓቶን ዲሞክራሲያዊ ምዕራፍ ዘርእይ ኢዩ ተባሂሉ።
ዛኑ-ፒኤፍ (ZANU-PF) ኣብ መልእኽቱ፥ እቲ ምርጫ ኢትዮጵያ ብዓወት ምዝዛሙ ምኽኒያት ብምግባር ንቀደማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር)፣ ፓርቲ ብልፅግናን ህዝቢ ኢትዮጵያን ናይ እንቋዕ ደስ በለኩም መልእኽቲ ኣቕረቡ።
ብተወሳኺ እዛ ሃገር ንሰላም፣ ንርግኣትን ሉኣላዊ ውሳነ ህዝብን ዘለዋ ፅኑዕ ቁርፀኝነት ዘርኢ ምዕራፍ ዴሞክራሲ እዩ ኢሉ ገሊፁ።
ፓርቲ ብልፅግና ዝረኸቦ ሰፊሕ ድምፂ ህዝቢ ኢትዮጵያውያን ኣብ መሪሕነት ቀደማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ዘለዎም እምነት ዘርኢ ምዃኑ ኣመልኪቱ።
ብተወሳኺ ሓቛፊ ልምዓት፣ ብሄራዊ ሓድነትን ዞባዊ ውህደትን ንምምፃእ ኣብ ዘለዎም ራእይ ዘሎ እምነት ልዑል ከምዝኾነ ዘረጋግፅ ኢዩ ክብል ገሊፁ።
ኣብ መንጎ ክልቲአን ፓርቲታትን እተን ሃገራትን ዘሎ ነዊሕ ዘመን ዘቑፀረ ሕውነት ዝገለፀ ዛኑ-ፒኤፍ (ZANU-PF)፥ ኢትዮጵያ ኣብ ኣፍሪካ ናይ ባዕልኻ ዕድል ባዕልኻ ንምውሳንን ነፃነት ኢኮኖሚ ንምርካብን ዝግበር ፃዕሪ ተኣማኒ መሓዛ ከምዝኾነት ገሊፁ።
ዕዉትነት እቲ ምርጫ ሓድነት ፓን-ኣፍሪካኒዝም ከምዘሐይል ዘርኢ ምዃኑ ኣብሪሁ።