ኣዲስ ኣበባ፣ 7 ሚያዚያ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ፓርክታት ኢንዱስትሪ ካብ በዝሒ ፅሬቶም ተሓሊዩ ክህነፁ ተገይሩ ኢሎም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር)፡፡
እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር “ልቢ ሉኣላዊነት” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ምስ ኢቢሲ ኣብ ዝገበሩዎ ፃንሒት÷ ፓርክታት ኢንዱስትሪ ንዕቤት ኢኮኖሚ ኣድለይቲ ከምዝኾኑ ኣብሪሆም፡፡
ፓርክታት ኢንዱስትሪ እንድሕር ተበቲኖም ፋብሪካታት ብዝሐሸ ኩነታት ኢንቨስትመንት ዝስሕቡ፣ ናይ መሰረተ ልምዓት ወፃኢ ዝንክዩ፣ ዝተዋደደ ኣገልግሎት ንመሃብን ንምሕደራ ዝምችዉን ከምዝኾኑ ገሊፆም፡፡
ቅድም ክብል ህንፀት ፓርክታት ኢንዱስትሪ ንኣታዊን ወፃኢን ንግዲ ምቹዋት ከምዘይነበሩ ብምዝኽኻር÷ እቶም ፓርክታት እኹል መፅናዕቲ ዘይተገበረሎምን ንጠለብ ፖለቲካ ዝሰርሑን ከምዝነበሩ ኣብሪሆም፡፡
ኣብዚ ሕዚ እዋን ፓርክታት ኢንዱስትሪ ኣብ ክንዲ በዝሒ ፅሬቶም ሓሊዮም ንኸህነፁ ተገይሩ ኢዩ ዝበሉ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር÷ በዚ ድማ ናይ ወፃኢ ህንፀት ዝንክዩ ዕቤት ኢኮኖሚ ዘቀላጥፉ ተገይሮም ከምዝተሃነፁ ኣገንዚቦም፡፡
ብፍላይ ድሕሪ ለውጢ ኣብ ስራሕ ጠጠው ኣቢሎም ዝነበሩ ፓርክታት ኢንዱስትሪ ናብ ስራሕ ከምዝኣተዉ ፀሪሖም፡፡
ኣብ ከይዲ ህንፀት እቶም ፓርክታት ካብ መንግስቲ ብተወሳኺ ዘፈር ውልቀ እናተሳተፈ ከምዝኾነ ብምግላፅ÷ ኣብ ኢትዮጵያ ካብ ዝርከቡ 26 ፓርክታት ኢንዱስትሪ እቶም ሸውዓተ ናይ ውልቀ ከምዝኾኑ ኣልዒሎም፡፡
ብሚኪያስ ኣየለ