ኣዲስ ኣበባ፣ 3 ሕዳር፣ 2019 (ኤፍ ኤም ሲ)ፖሊስ ፌደራል ኢትዮጵያ ኣብ ከተማ ሰንዳፋ ልዕሊ 1 ሺሕን 600 ኣባላት ፖሊስ ዘተኣናግድ መንደር ፖሊስ ምህናፅ ጀሚሩ።
እቲ ህንፀት ብዕሊ ዘጀመሩ ላዕለዋይ ኣዛዚ ፖሊስ ፌደራል ኢትዮጵያ ኮሚሽነር ጀነራል ደመላሽ ገ/ሚካኤል፤ እቲ ፕሮጀክት ኩነታት ስራሕን ማሕበራዊ ናብራን እቲ ትካል ንምምሕያሽ ዝዓለመ ምዃኑ ገሊፆም።
እቲ ፕሮጀክት ትካላዊ ዓቕሚ ንምጥንኻር፣ ዘበናዊ ኩነታት ስልጠናን ስራሕን ንምፍጣር ከምዘኽእል እውን ኣመልኪቶም።
ልዕሊ 1 ሺሕን 600 ኣባላት ፖሊስ ኣብ ሓደ መንበሪ ኣባይቲን ማሕበራዊ ኣገልግሎታትን ዘካትት መንደር ዘተኣናግድ እቲ ፕሮጀክት፤ ኩነታት ናብራ ኣባላት ፖሊስ ካብ ምምሕያሽ ብተወሳኺ ንብቕዓት ስራሕን ውፅኢታውነትን እቲ ትካል ኣበርክቶ ከምዝህልዎ ተገሊፁ።
ኣብቲ መንደር ፖሊስ ዝተፈላለዩ ትሕተ ቅርፅታትን ማሕበራዊ ኣገልግሎታትን ክካተቱ ተተሊሙ እንትኸውን፣ ኣባላት ፖሊስን ስድራ ቤታቶምን ዝጥቀሙሎም ኣገልግሎታት ትምህርትን ካልኦት መሰረታዊ ኣገልግሎታትን ኣብቲ መንደር ንኽማልኡ ሰፊሕ ትልሚ ከምዝተታሕዘ ተገሊፁ።
ምስዚ ተተሓሒዙ ኣብ ከተማ ሰንዳፋ ዘበናዊ ማእኸል ስልጠና ፖሊስን ካልኦት ትካላዊ መሰረተ ልምዓትን እውን ክህነፁሉ እዮም።
ህንፀት መንደር ፖሊስን ማእኸል ስልጠናን ሰንዳፋ ትካላዊ ዓቕሚ ፖሊስ ፌደራል ካብ ምጥንኻር ብተወሳኺ፤ ዘበናዊ፣ ብቴክኖሎጂ ዝተደገፈን ብቕዓት ዘለዎን ትካል ፀጥታ ንምህናፅ ናይ ዝተትሓዘ ትልሚ ኣካል ምዃኑ ተሓቢሩ።
ብዮሃንስ በቀለ