‎ኣብ ስዑድ ዓረብ ኣብ ኣፀጋሚ ኩነታት ዝነበሩ 1 ሺሕን 708 ኢትዮጵያውያን ናብ ሃገሮም ተመሊሶም

‎ኣዲስ ኣበባ፣ 5 ነሓሰ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)‎ኣብ ስዑድ ዓረብ ኣብ ኣፀጋሚ ኩነታት ዝነበሩ 1 ሺሕን 708 ኢትዮጵያውያን ናብ ሃገሮም ተመሊሶም፡፡

‎‎እቶም ተመለስቲ 773 ደቂ ተባዕትዮን 677 ደቂ ኣንስትዮ ከምኡ እውን 76 ሰገናት እንትኾኑ፥ ካብ ሞንጎ እዚኣቶም 163 ዕድሚኦም ትሕቲ 18 ዓመት ዝኾኑ ህፃናት ይርከቡዎም።

‎5 ‎መስከረም 2018 ዓ.ም ኣብ ዝተጀመረ ዜጋታት ናብ ሃገሮም ናይ ምምላስ ስራሕ ክሳብ ሕዚ ልዕሊ 92 ሺሕ ኢትዮጵያውያን ናብ ሃገሮም ተመሊሶም።

‎ንተመለስቲ ዜጋታት ኣብ መፅንሒ ማእኸላት ግቡእ ድጋፍን ክንክንን ናይ ምግባርን ምስ ስድረኦም ናይ ምፅምባር ስራሕ እናተወገነ ምዃኑ ሓበሬታ ሚኒስቴር ደቂ ኣንስትዮን ማሕበራዊ ጉዳይን ኣመልኪቱ።

Comments (0)
Add Comment