ኣብ ስዑድ ዓረብ ኣብ ኣፀጋሚ ኩነታት ዝነበሩ 1 ሺሕን 708 ኢትዮጵያውያን ናብ ሃገሮም ተመሊሶም
ኣዲስ ኣበባ፣ 5 ነሓሰ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ ስዑድ ዓረብ ኣብ ኣፀጋሚ ኩነታት ዝነበሩ 1 ሺሕን 708 ኢትዮጵያውያን ናብ ሃገሮም ተመሊሶም፡፡
እቶም ተመለስቲ 773 ደቂ ተባዕትዮን 677 ደቂ ኣንስትዮ ከምኡ እውን 76 ሰገናት እንትኾኑ፥ ካብ ሞንጎ እዚኣቶም 163 ዕድሚኦም ትሕቲ 18 ዓመት ዝኾኑ ህፃናት ይርከቡዎም።
5 መስከረም 2018 ዓ.ም ኣብ ዝተጀመረ ዜጋታት ናብ ሃገሮም ናይ ምምላስ ስራሕ ክሳብ ሕዚ ልዕሊ 92 ሺሕ ኢትዮጵያውያን ናብ ሃገሮም ተመሊሶም።
ንተመለስቲ ዜጋታት ኣብ መፅንሒ ማእኸላት ግቡእ ድጋፍን ክንክንን ናይ ምግባርን ምስ ስድረኦም ናይ ምፅምባር ስራሕ እናተወገነ ምዃኑ ሓበሬታ ሚኒስቴር ደቂ ኣንስትዮን ማሕበራዊ ጉዳይን ኣመልኪቱ።