ኣዲስ ኣበባ፣ 19 ሕዳር፣ 2019 (ኤፍ ኤም ሲ)ኮሌጅ ሳይንስ ጥዕና ዩኒቨርሲቲ ባህር ዳር ሎሚ መዓልቲ 92 ዶክተራት ሕክምና ኣመሪቑ። ካብቶም ተመረቕቲ ድማ እተን 36 ደቂ ኣንስትዮ እየን።
ዶ/ር እፅቡብ ስንታየሁ ድማ ኣብ ኮሌጅ ሳይንስ ጥዕና እቲ ዩኒቨርሲቲ 3.86 ነጥቢ ብምምፃእ ተሸላሚት ሜዳልያ ኮይና።
ዝለዓለ ውፅኢት ዘመዝገበት ዶ/ር እፅቡብ ስንታየሁ፤ እቲ ውፅኢት ኣብ ህይወተይ ዓብዪ ትርጉም ፈጢሩ ህይወት ንምድሓን ክዳሎ ገይሩኒ ኣሎ ኢላ።
ፍረ ፃማይ ብምርካበይን ልዑል ውፅኢት ብምምዝጋበይን ልዑል ሓጎስ ተሰሚዑኒ እዩ እውን ኢላ።
እቲ ዝተማሃርናዮ ሞያ ኣብ ምግልጋልን ምሕካምን ሰባት ዝተመስረተ ብምዃኑ፤ ካብዚ ሕዚ እዋን ጀሚርና ንህዝብና ብምግልጋል ሓላፍነት ሃገርናን ህዝብናን ንምፍፃም ቆሪፅና ተላዒልና ኣለና ኢላ።
ንዘፈር ሕክምና ኢትዮጵያ ሓዱሽ ፍልጠትን ዓቕሚን ሒዛ ናብ ስራሕ ዓለም ብምፅንባር ዝሐሸ ኣበርክቶ ንምግባር ድልውቲ ምዃና እውን ኣረጋጊፃ።