667 ማእኸላት ፈተና ንሃገር ለኸ ፈተና 12 ክፍሊ ተዳልየን ኣለዋ

ኣዲስ ኣበባ፣ 11 ግንቦት፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ) ኣብ 667 ማእኸላት ፈተናታት ናይ ሎሚ ዓመት 12 ክፍሊ ሃገር ለኸ መእተዊ ፈተና ዩኒቨርስቲ ንምክያድ ኣገልግሎት ምምዛንን ፈተናን ትምህርቲ ምድላውእናገበረ ይርከብ።
ዋና ዳይሬክተር እቲ ኣገልግሎት እሸቱ ከበደ (ዶ/ር) ንፋና ሚድያ ኮርፖሬሽን ከምዝገለፅዎ፤ ኣብ 97 ዩኒቨርሲታትን 570 ክልላዊ ማእኸላትን ናይ ዩኒቨርስቲ መእተዊ ፈተና ንምክያድ ምድላዋት ይግበር ከምዘሎ ተሓቢሩ፡፡
ካብ 24 ሰነ ክሳብ 17 ሓምለ 2018 ዓ.ም ኣብ ዝካየድ ፈተና ብድምር 564 ሺሕን219 ተምሃሮ ዝተመዝገቡ እንትኾኑ፥ ኣብ ተፈጥሮ ሳይንስ 306 ሺሕን 964 ብማሕበራዊ ሳይንስ ድማ 257 ሺሕን,255 ተምሃሮ ከምዝተመዝገቡ ገሊፆም።
እቲ ፈተና ብኦንላይን ብሙሉእ ዓቕሙ ንምክያድ ምድላዋት ይግበር ከምዘሎ ዋና ዳይሬክተር፣ ብዝተፈላለዩ ምኽንያታት ነቲ ብወረቐት መሰረት ዝገበረ ፈተና ዝወስዱ ተምሃሮ ውሑዳት ከምዝህልዉ ኣመልኪቶም።
ብመሳፍንት እያዩ
Comments (0)
Add Comment