7ይ ሓፈሻዊ መረፃን ተሳትፎ መናእሰይን …

ኣዲስ ኣበባ፣ 14 ግንቦት፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ን7ይ ሓፈሻዊ መረፃ ዝተገበሩ ምድላዋት ብፍላይ ዲጂታል ኣማራፂታት ኣብ ረብሓ ምውዓሎም ተሳትፎ ከዕቢ ክኢሉ።

ሓላፊቢሮ መናእሰይን ስፖርትን ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣሰግደው ሃ/ጊዮርጊስ ዴሞክራሲያዊ ስርዓት ተግባራዊ ንምግባር ኣብ መረፃ መናእሰይ ብንቕሓት ከምዝተሳተፉ ወሰንቲ ከምዝኾኑ ገሊፆም።

መናእሰይ ካርድ መረፃ ካብ ምውፃእ ጀሚሩ እጃም እናተዋፅኡ ከምዝርከቡ ተዛሪቦም።

ዋና ፀሓፊ ማሕበር መናእሰይ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኤርሚያስ ወንድሙ ብግድኡ፤ ቅድሚ ሕዚ መናእሰይ ካርድ ንምውሳድ ብኣከል ክርከቡ ይግደዱ ከምዝነበሩ ብምሕባር÷ ኣብዚ ዓመት ግን እዚ ኣሰራርሓ ብምልዋጥ ቦርድ መረፃ ኣብ ዘመቻቸዎ ኣሰራርሓ ኩሉ መንእሰይ ኣብ ዘለዎ ኮይኑ ክምዝገብ ከምዝኸኣለ ኣብሪሁ።

ቴክኖሎጂ ኩሉ ሰብ ንዴሞክራሲ ባህሊ ክገብርን መሰሉ ንኽጥቀምን ምቹው ዕድል ከምዝፈጠረ እውን ተዛሪቡ።

ተጠባባቒ ምክትል ፕሬዚዳንት ማሕበር መናእሰይ እታ ከተማ ተከስተ ኣያሌው፤0 ቅድሚ ሕዚ ኣብ ዝነበሩ መረፃታት ፓርቲታት ፖለቲካ ኣብ ሚዲያ ዝገብሩዎ ከይዲ ጎስጓስ ውሱን ከምዝኾነ ኣልዒሉ።

ቅድሚ ሕዚ ጎስጓስ ፓርቲታት ብቴሌቪዥንን ብዝተወሰኑ ኣማራፂታትን ጥራሕ ይመሓላለፍ ከምዝነበረን ኣብዚ ዓመት ግን ማሕበራዊ ሚዲያታት ብቐሊሉ ምርካቡ ኣብ መረፃ ንምስታፍ ድልውቲ ከምዝገበራ ዝተዛረበት ድማ መንእሰይ መልካም በንቲ ኢያ።

እታ መንእሰይ ካርድ ካብ ምውፃእ ጀሚሩ ዘለዉ ከይዲታት በዞም ማሕበራዊ ሚዲያታት ምምሕልላፎም ኣዚዩ ዝሐሸን ልዑልን ለውጢ ዝመፅአሉ ከምዝኾነ እውን ኣብሪሃ።

ብዮናስ ጌትነት

Comments (0)
Add Comment