ኣብ ኮፕ32 ኣብ ዙርያ ኩለመዳይ ምትሕብባር ለውጢ ክሊማ እምነትን ዳግም ህንፀትን ቀዳምነት ዝወሃቦ ጉዳይ እዩ – ጌዲዮን ጢሞቴዎስ (ዶ/ር)

ኣብ ኮፕ32 ኣብ ዙርያ ኩለመዳይ ምትሕብባር ለውጢ ክሊማ እምነትን ዳግም ህንፀትን ቀዳምነት ዝወሃቦ ጉዳይ እዩ – ጌዲዮን ጢሞቴዎስ (ዶ/ር)

ኣዲስ ኣበባ፣ 2 ሕዳር፣ 2019 (ኤፍ ኤም ሲ)ኢትዮጵያ ኣብ እተዳልዎ ጉባኤ ኮፕ32 ኣብ ኩለመዳይ ምትሕብባር ለውጢ ክሊማ ዳግመ ህንፀት እምነት ቀዳምነት ዝወሃቦ ቀንዲ ጉዳይ ኢዩ ኢሎም ፕሬዚደንት ኮፕ32ን ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢን ጌዲዮን ጢሞቴዎስ (ዶ/ር)።

ጌዲዮን ጢሞቴዎስ (ዶ/ር) ኣብ ኣንታልያ ቱርኪ ይካየድ ኣብ ዘሎ ጉባኤ መበል 31 ሕቡራት መንግስታት (ኮፕ31) መደረ ኣስሚዖም።

ኣብ መደረኦም ድማ ኣብ ማዕቐፍ በዓል ብዙሕ ወገን እንገብሮ ሓበራዊ ምንቅስቓስ ሓባራዊ ፃዕሪ ብዝምልከት፣ ኣዝዩ ፈታኒን ወሳኒን ኣብ ዝኾነ እዋን ኢና ተኣኪብና ዘለና ኢሎም።

ጂኦፖለቲካዊ ወጥሪታት ንዓለም ለኸ ምትሕብባር እናተፈታተኑዎ ከምዝርከቡ ብምግላፅ፤ ኢኮኖሚያዊ ርክባት ኣብ ዙርያ ብሄራዊ ድሕንነት ዳግም እናተዋደዱ ምዃኖም ኣመልኪቶም።

በዚ ምኽንያት ድማ ኣብ መንጎ ሃገራት ብቴክኖሎጂ፣ ኢንቨስትመንትን ንግዲን ውድድር ብምፍጣሩ ስጉምትታት ክሊማ ዕንቅፋት እናጋጠሞም ምዃኑ ፀሪሖም።

ሃገራት መጠን ምልቃቕ በከልቲ ጋዛት ንምንካይ ዓቕሚ ምፅዋር ንምህናፅን ልዑል ራኢ ክህልወን እናተሓተታ እኳ እንተኾና፤ ነባራዊ ኩነታት ከምዚ ዓይነት ሸቶታት ብፋይናንስ ምድጋፍ ኣፀጋሚ ከምዝገበሮ ኣብሪሆም።

እቶም ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ከምዝተዛረቡዎ፤ ክፍተት ፋይናንስ እንተተፈቲሑ ጉድኣት ለውጢ ክሊማ ምንካይ ይከኣል፣ ልኡኽቶና ድማ ምትሕብባር ክሊማ ንዝለዓለ ዓለም ለኸ ሓድነት ምግባር እዩ።

እዚ እምነት ውፅኢታት ብምምፃእ፣ ንኩሉ ዝሓቖፈ ከይዲ ብምኽታል፣ ኣብ ፍልልያት ብቆራፅነት ብምስታፍ፣ ከምኡ እውን ዓለም ለኸ ራኢ ምስ ሃገራዊ ኣፈፃፅማ ብዘራኽቡ ውፅኢታት ክህነፅ ኣለዎ ኢሎም።

#ኢትዮጵያ #ኮፕ_32_ኢትዮጵያ #COP31 #COP32 #COP32ETHIOPIA #fanamediacorporation #ClimateFinance #ClimateAction

ብቴዎድሮስ ሳህለ

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment