ስፓርት

ስፓርት

ውድድር ቻን ሃገራት ኣፍሪካ ሎሚ መዓልቲ ክጅመር ኢዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 5 ጥሪ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ብኣሰናዳእነት ኣልጄሪያ ዝካየድ 7ይ ውድድር ቻን ሃገራት ኣፍሪካ ሎሚ መዓልቲ ክጅመር ኢዩ፡፡ 17 ሃገራት ዝሳተፉሉ እዚ ውድድር ኣብ ኣርባዕተ ከተማታት ኣልጄሪያ ኣብ ዝርከባ ስታዲየማት ከምዝካየድ ዝወፅአ መርሃ ግብሪ የመላኽት፡፡ እቲ ውድድር ሎሚ መዓልቲ ብዕሊ እንትጅመር÷ ኣልጀሪያ ምስ ሊቢያ ምሸት ሰዓት ሰለስተ ፀወተአን ክገብራ ኢየን፡፡ ኣብቲ ውድድር ትሳተፍ ሃገራዊት ጋንታ ኢትዮጵያ ድማ ፅባሕ ምስ ሞዛምቢክ መዘናኣ ሰዓት ትሽዓተ ክተካይድ ኢያ፡፡ እታ ሃገራዊት ጋንታ ኣብ ኣልጀርስ…
Read More...

ኢትዮጵያውያን ኣትሌታት ኣብ ማራቶን ቦስተን ክሳተፉ ኢዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 4 ጥሪ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮጵያውያን ኣትሌታት ኣብ ማራቶን ቦስተን ብክልቲኡ ፆታ ከምዝሳተፉ ኣሰናዳእቲ እቲ ውድድር ኣፍሊጦም። ብደቂ ኣኒስቲዮ ሻምፒዮና ማራቶን ዓለም ጎይተይቶም ገብረስላሴን ወናኒት ክብረ ወሰን ብሄራዊ ማራቶን ደቂ ኣኒስቲዮ ኢትዮጵያ አማኔ በሪሶን ኣብቲ ውድድር ክሳተፋ ኢየን። ብተወሳኺ ኣባብል የሻነህ፣ ኣፀደ ባይሳን ህይወት ገብረ…

ብሄራዊ ጋንታ ኩዕሶ እግሪ ኢትዮጵያ ንውድድር ቻን ኣልጀሪያ ኣቲዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 4 ጥሪ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ብሄራዊ ጋንታ ኩዕሶ እግሪ ኢትዮጵያ ንውድድር ቻን ኣልጀሪያ ኣቲዩ። እቲ ጋንታ ኣብ መዕርፎ ነፈርቲ ኣልጀርስ እንትበፅሕ ብባህላዊ ሙዚቃ ኣልጀሪያ ዝተዓጀበ ኣቀባብላ ተገይሩሉ። ኣብ ምድብ ሓደ ምስ ኣልጀሪያ ከምኡውን ሞዛምቢክን ሊቢያን ፀወተኦም ከካይዱ ኢዮም። ኢትዮጵያ ናይ መጀመሪያ ፀወተኣ 6 ጥሪ 2015 ዓ.ም ምስ…

ሃገራዊት ጋንታ ኢትዮጵያ ናብ ኣልጄሪያ ኣምሪሓ

ኣዲስ ኣበባ፣ 3 ጥሪ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ብኣሰናዳእነት ኣልጄሪያ ኣብ ዝካየድ 7ይ ሻምፒዮና ውድድር ኩዕሾ እግሪ ኣፍሪካ (ቻን) ትሳተፍ ሃገራዊት ጋንታ ኢትዮጵያ ናብ ኣልጄሪያ ኣምሪሓ። እቲ ውድድር ድሕሪ ፅባሕ ክጅመር ኢዩ። ሃገራዊት ጋንታ ኢትዮጵያ ነቲ ውድድር ኣብ ውሽጢ ኃገርን ካብ ሃገር ወፃእን ቀድመ ምድላው ከምዝገበረት ተገሊፁ። ሃገራዊት ጋንታ ኢትዮጵያ…

2ይ ዙር ውድድር ፕሪሚየር ሊግን ላዕለዋይ ሊግን ደቂ ኣንስትዮ ዝጅመረሉ ዕለት ዕላዊ ኮይኑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 3 ጥሪ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ካልኣይ ዙር ውድድር ፕሪሚየር ሊግ፣ ላዕለዋይ ሊግን ትሕቲ 20 ዓመት ፕሪሚየር ሊግን ደቂ ኣንስትዮ ዝጅመረሉ ዕለት ዕላዊ ኮይኑ። ብመሰረት እዚ÷ 2ይ ዙር ውድድር ፕሪሚየር ሊግን ላዕለዋይ ሊግን ደቂ ኣንስትዮ 26 ለካቲት 2015 ዓ.ም ከምዝጅመር ተገሊፁ፡፡ ፕሪሚየር ሊግ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ባህር ዳር ፤ ላዕለዋይ ሊግን ደቂ…

ብረዳት ኮሚሽነር ደራርቱ ቱሉ ዝተመርሐ ልኡኽ ናብ መቐለ ኣምሪሑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 2 ጥሪ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ብፕሬዚዳንት ፌዴሬሽን ኣትሌቲክስ ኢትዮጵያ ረዳት ኮሚሽነር ደራርቱ ቱሉ ዝተመርሐ ልኡኽ ናብ መቐለ ኣምሪሑ፡፡ ዕላማ ጉዕዞ እቲ ልኡኽ÷ ተወለድቲ ትግራይ ኣትሌታት ምስ ስድረኦም ምርኻብ ከምዝኾነ ካብቲ ፌዴሬሽን ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡ እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦ ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana…

ሮቤርቶ ማርቲኔዝ ኣሰልጣኒ ሃገራዊት ጋንታ ፖርቹጋል ኮይኖም

ኣዲስ ኣበባ፣ 1 ጥሪ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ነበር ኣሰልጣኒ ሃገራዊት ጋንታ ቤልጂየም ሮቤርቶ ማርቲኔዝ ኣሰልጣኒ ሃገራዊት ጋንታ ፖርቹጋል ኮይኖም፡፡ ስፔናዊ ኣሰልጣኒ ሮቤርቶ ማርቲኔዝ÷ ድሕሪ ፅዋዕ ዓለም ዝተሰናበቱ ኣሰልጣኒ ሃገራዊት ጋንታ ፖርቹጋል ፈርናንዶ ሳንቶስ ብምትካእ ኢዮም ሎሚ ኣሰልጣኒ እታ ሃገራዊት ጋንታ ኮይኖም ዘለዉ፡፡ ፕሬዚዳንት ፌደሬሽን ኩዕሾ እግሪ…