ስፓርት

ስፓርት

ፌዴሬሽን ኩዕሶ እግሪ ኢትዮጵያ ንዋንጫ ኣፍሪካ ንዝሓለፉ ብሄራዊ ጋንታ ኩዕሶ እግሪ 6 ሚሊየን ብር ህያብ ሂቡ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 19 ሚያዝያ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ኮሚቴ ፈፃሚ ስራሕ ፌዴሬሽን ኩዕሶ እግሪ ኢትዮጵያ ድሕሪ 8 ዓማውቲ ንዋንጫ ኣፍሪካ ንዝሓለፉ ኣባላት ብሄራዊ ጋንታ ኩዕሶ እግሪ 6 ሚሊየን ብር ህያብ ሂቡ። ብተወሳኺ እቲ ኮሚቴ መዛዘሚ ፀወታ ፕሪሚየር ሊግ ኢትዮጵያ ኣብ ከተማ ሃዋሳ ንክኸውን ወሲኑ። ብተመሳሳሊ ፌዴሬሽናት ኩዕሶ እግሪ ክልላት ኣብ ውድድር ትሕቲ 17 ዓመት ንዝሰርሕዎ ስራሕ ንሕድሕድ ፌዴሬሽናት ክልልን ምምሕዳር ከተማን  300 ሽሕ ብር ደገፍ ንክግበር ውሳነ ኣመሓላሊፉ። እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ቴሌግራም…
Read More...

ጋንታ ኣርባምንጭ ከተማ ናብ ፕሪሜርሊግ ምምላሳ ኣረጋጊፃ

ኣዲስ ኣበባ፣ 17 ሚያዝያ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ጋንታ ኣርባምንጭ ከተማ ናብ ፕሪሜርሊግ ምምላሳ ኣረጋጊፃ። ኣብ ላዕለዋይ ሊግ ምድብ ሐ እናተወዳደረት ትርከብ ጋንታ ኣርባምንጭ ከተማ፥ መበል 21 ሰሙን ፀወታኣ ፅባሕ ተካይድ ትኾን እምበር ኣብ ካልኣይ ደረጃ ትርከብ ጋንታ ኮልፌ ብጋንታ ቡታጅራ ምስዓራ ስዒቡ ኣርባምንጭ ከተማ ናብ ፀወታ ፕሪሜርሊግ ኢትዮጵያ ዓመት 2014 ዓ.ም…

ኣብ ፕሪሜርሊግ ኢትዮጵያ ቅዱስ ጊዮርጊስን ጅማ አባ ጅፋርን ማዕረ ተፈላሊየን

ኣዲስ ኣበባ፣ 14 ሚያዝያ፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ፀወታ ቤትኪንግ ኣብ ፕሪሜርሊግ ኢትዮጵያ ጋንታታት ቅዱስ ጊዮርጊስን ጅማ አባ ጅፋርን ሓደ ማዕረ ተፈላሊየን። ጌታነህ ከበደ ቅድሚ ዕረፍቲ ንጋንታ ቅዱስ ጊዮርጊስ ሽቶ እንተመዝግብ፥ ተመስገን ደረሰ ድማ ድሕሪ ዕረፍቲ ንጋንታ ጅማ ኣባ ጅፋር ኣመዝጊቡ፡፡ ፕሪሜርሊግ ኢትዮጵያ ጋንታ ፋሲል ከነማ ብ18 ፀወታ 45 ነጥቢ…

ኢንተርናሽናል ዋና ዳይና ባምላክ ተሰማ ኣብ ቶኪዮ ኦሎምፒክ ዝግበሩ ውድድራት ኩዕሶ እግሪ ክመርሕ ኢዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 13 ሚያዝያ፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኢንተርናሽናል ዋና ዳይና ባምላክ ተሰማ ኣብ ቶኪዮ ኦሎምፒክ ዝግበሩ ውድድራት ኩዕሶ እግሪ ከምዝመርሕ ፌዴሬሽን ኩዕሶ እግሪ ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ። እቲ ፌዴሬሽን ኢትዮጵያ ብዳኝነት ኩዕሶ እግሪ ቶኪዮ ኦሎምፒክ በቲ ዋና ዳይና ከትውከል ኢያ ኢሉ። ኢንተርናሽናል ዋና ዳይና ባምላክ ተሰማ ብዳይነት ምሕራዩ  ፊፋ ሎሚ መዓልቲ ዕላዊ…

ጋንታ ኩዕሾ እግሪ መከላከያ ናብ ፕሪሜርሊግ ምምላሳ ኣረጋጊፃ

ኣዲስ ኣበባ፣ 13 ሚያዝያ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ጋንታ ኩዕሾ እግሪ መከላከያ ናብ ቤትኪንግ ፕሪሜርሊግ ኢትዮጵያ ምምላሳ ኣረጋጊፃ። ኣብ ላዕለዋይ ሊግ ኢትዮጵያ ምድብ “ሀ” እናተወዳደረት ትርከብ ጋንታ መከላከያ፥ ኣብ ዘበነ 2014 ዓ.ም ሪሜርሊግ ተሳትፎኣ ዘረጋገፀትሉ ውፅኢት ኣመዝጊባ፡፡ ሎሚ መዓልቲ ምስ ጋንታ ደብረ ብርሃን ዝተፃወተት መከላከያ ብብሕታዊት ሽቶ…

ክልተ ጋንታታት ቮሊቦል ኣብ ሻምፒዮና ጋንታታት ኣፍሪካ ንምስታፍ ናብ ቱኒዚያ ኣምሪሐን

ኣዲስ ኣበባ፣ 12 ሚያዝያ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ብሄራዊ ጋንታታት ቮሊቦል ኣልኮልን ወላይታ ሶዶ ዩንቨርስቲን ኣብ ሻምፒዮና ጋንታታት ኣፍሪካ ንምስታፍ ናብ ቱኒዚያ ከምዘምረሓ ኮሚሽን ስፖርት ኣፍሊጡ። እተን ጋንታታት ብደቂ ኣኒስቲዮ እንትሳተፋ ንፈለማ እዋን ኢዩ ተባሂሉ። ሻምፒዮና ውድድር ጋንታታት አፍሪካ ዓለተ 2021 ኮንፌዴሬሽን ቮሊቦል ኣፍሪካ ከምዘዳለዎ ተገሊፁ።…

ናሳ ናብ ማርስ ሄሊኮፕተር ልኢኹ

ኣዲስ ኣበባ፣ 11 ሚያዚያ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢንጂነራት ትካል ምርምር ጠፈር ኣሜሪካ (ናሳ) ንፈለማ እዋን ሄሊኮፕተር ናብ ማርስ ምልኣኹ ኣፍሊጡ። ኣብ ዙሪያ ምህዋር ክትትበርር ኢያ ዝተብሃለት እታ ሄሊኮፕተር፥ ብመጠን ኣዚያ ዝነኣሰት ከምዝኾነት ተገሊፁ፡፡ ኢንጂ ኒውቲ ዝተብሃለት እታ ሄሊኮፕተር፥ ካብ ፀፍሒ ማርስ ብሰለስተ ሜትሮ ብራኸ ክትበርር ኢያ ተባሂሉ፡፡…