ስፓርት

ስፓርት

ብሄራዊ ጋንታ ኩዕሶ እግሪ ኢትዮጵያ መተባብዒ ሽልማት 2 ሚሊየን ብር ተበርኪቱሉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 9 ህዳር፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ብሄራዊ ጋንታ ኩዕሶ እግሪ ኢትዮጵያ መተባብዒ ሽልማት 2 ሚሊየን ብር ተበርኪቱሉ። እቲ ጋንታ ትማሊ ምስ ኒጀር ኣብ ዘካየዶ ፀወታ 3 ን0 ምዕዋቱ ስዒቡ ኮሚሽን ስፖርት ፌዴሪኢ ምስ ፌዴሬሽን ኩዕሶ እግሪ ኢትዮጵያ ብሓባር ብምዃን እቲ ሽልማት ምብርካቶም ተገሊፁ። እቲ ጋንታ ኣብ ቀፃሊ ንዝገብሮም ክልተ ፀወታታት ዝሓሸ ውፅኢት ብምምዝጋብ ንዋንጫ ኣፍሪካ ንክስለፍ ንምትብባዕን ንምልዕዓልን ዝዓለመ ሽልማት ከምዝኾነ ተሓቢሩ። እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ…
Read More...

ሃገራዊት ጋንታ ኢትዮጵያ ንብሄራዊት ጋንታ ኒጀር ሰለስተ ንባፎ ስዒራ

ኣዲስ ኣበባ፣ 8 ሕዳር፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ሃገራዊት ጋንታ ኢትዮጵያ (ዋሊያታት) ንብሄራዊት ጋንታ ኒጀር ሰለስተ ንባዶ ብዝኾነ ውፅኢት ስዒራታ። ብሄራዊት ጋንታ ኢትዮጵያ ደቂ ተባዕትዮ ኣብ መፃረዪ ምድብ ፅዋዕ ኣፍሪካ ሎሚ መዓልቲ ራቭዓይ ግጥማ ምስ ኒጀር ኣብ ስታዲየም ኣዲስ ኣበባ ኣካይዳ። በቲ ፀወታ ድማ ብሄራዊት ጋንታ ኢትዮጵያ ዋሊያታት ንኒጀር መዘነኣ ሰለስተ…

ኣብ ፓርክ እንጦጦ ውድድር ጉያን ብሽከሌታን ክካየድ ኢዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 23 ጥቅምቲ፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ዓብዪ ጉያ ኢትዮጵያ ኣብ ፓርክ እንጦጦ ውድድር ጉያን ብሽከሌታን ከምዝካየድ ኣፍሊጡ። እቲ ውድድር ኣብ ወርሒ ሕዳር መፈለምታ ክሳለጥ ኢዩ ተባሂሉ። ኣብ ኢትዮጵያ ንመጀመርታ ጊዜ ኣብ ዝካየድ እቲ ውድድር፥ ኣብ ሓደ ጋንታ ኣርባዕተ ሰባት ከምዝሳተፉ ተገሊፁ። ካብ ኣርባዕቲኦም ተሳተፍቲ ክልተ ብሽክለተኛታት ክልተ ድማ…

ፕሬዚዳንት ካፍ ኣሕመድ ኣሕመድ ብቫይረስኮሮና ተታሒዞም

ኣዲስ ኣበባ፣ 20 ጥቅምቲ፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ፕሬዚዳንት ፎዴሬሽን ኩዕሾ እግሪ ኣፍሪካ ካፍ ኣሕመድ ኣሕመድ ብቫይረስኮሮና ከምዝተታሓዙ ተረጋጊፁ። እቶም ፕሬዚዳንት ብቅድሚ ትማሊ ረቡዕ ካብ ሞሮኮ ናብ ካይሮ ምስተመለሱ ቅልል ዝበለ ምልክት ሰዓል ምርኣዮም ስዒቡ ብዝተገበረሎም ምርመራ፥ ሎሚ መዓልቲ በቲ ቫይረስ ከምዝተትሓዙ ተፈሊጡ። ስለዝኾነ ድማ እቶም ፕሬዚዳንት…

ቀዳማይ ዙር ውድድር ቻምፒዮንስ ሊግ ኣውሮፓ ሎሚ መዓልቲ ምሸት ብዝካየዱ ግጥማት ክጅመር ኢዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 10 ጥቅምቲ፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ቀዳማይ ዙር ውድድር ኩዕሾ እግሪ ቻምፒዮንስ ሊግ ኣውሮፓ ሎሚ መዓልቲ ምሸት ብዝካየዱ ግጥማት ክጅመር ኢዩ። ኣብ ናይ ሎሚ መዓልቲ ምሸት ፀወታታት ካብ ምድብ ሓሙሽተ ክሳብ ምድብ ሸሞንተ ዘለዋ ጋንታታት ካብ 1 ሰዓትን 55 ደቒቕን ጀሚሚረን ውድድረን ከካይዳ ኢየን። ኣቐዲሞም ኣብ ዝካየዱ ፀወታታት፥ ጋንታ ታት ዜኒት ሴንት…

ኣትሌት ሓጎስ ገብረህይወት ኣብ ጣሊያን ኣብ ዝተኻየደ ንሕንሕ ጉያ ጎደና 10 ሺሕ ሜትሮ ቀዳማይ ብምዃን ተዓዊቱ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 9 ጥቅምቲ፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣትሌት ሓጎስ ገብረህይወት ትማሊ ኣብ ጣሊያን ኣብ ዝተኻየደ ንሕንሕ ጉያ ጎደና 10 ሺሕ ሜትሮ ቀዳማይ ብምውፃእ ቅድመ ሐዚ ተታሒዙ ዝነበረ ክብረወሰን ኣመሓይሹ። ኣትሌት ሓጎስ ገብረህይወት ነቲ ርሕቀት ብ29 ደቓይቕን 49 ሰኮንድን ብምዝዛም ኢዩ ተዓዊቱ። ብመሰረት እዚ ናይቲ ቦታ 30 ደቒቓን 10 ሰኮንድን ዝነበረ…

ኢትዮጵያውያን ኣትሌታት ኣብ ፖላንድ ጊዲኒያ ሎሚ መዓልቲ ኣብ ዝሳለጥ ጉያ ፍርቂ ማራቶን ክሳተፉ ኢዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 7 ጥቅምቲ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮጵያውያን ኣትሌታት ኣብ ፖላንድ ጊዲኒያ ሎሚ መዓልቲ ኣብ ዝሳለጥ ጉያ ሻምፒዮና ፍርቂ ማራቶን ክሳተፉ ኢዮም። እቲ ጉያ ሻምፒዮና ፍርቂ ማራቶን ንመበል 24 ጊዘ ዝሳለጥ ዘሎ እንትኸውን፥ ኢትዮጵያውያን ኣትሌታት ምስ ኣትሌታት ኬንያን ዩጋንዳ በርቱዕ ንሕንሕ ከጋጥሞም ኢዩ ዝብል ትፅቢት ኣሎ። ኢትዮጵያ ብምውካል ኣብቲ…