ስፓርት

ስፓርት

ኣብ ፖላንድ ጊዲኒያ ዝሳለጥ ሻምፒዮና ፍርቂ ማራቶን ዓለም ዝሳተፍ ጉጅለ ልኡኽ ኣትሌቲክስ ኢትዮጵያ ተሰኒዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 4 ጥቅምቲ፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ፖላንድ ጊዲኒያ ዝሳለጥ ሻምፒዮና ፍርቂ ማራቶን ዓለም ዝሳተፍ ጉጅለ ልኡኽ ኣትሌቲክስ ኢትዮጵያ ተሰኒዩ። እቲ ጉጅለ፥ ተቀዳሚት ምክትል ፕሬዚዳንት ፌዴሬሽን ኣትሌቲክስ ኢትዮጵያ ኣትሌት ደራርቱ ቱሉ ኣብ ዝተረኸበትሉ ኢዩ ትማሊ ስነ ስርዓት ምፍናው ተገይሩሉ። ኣትሌት ደራርቱ ቱሉ ኣብቲ እዋን ከምዝበለቶ፥ ኣትሌታት ብስልጠና ዝረኸቡዎ ልምዲ ኣብ ናይ ሓባር ስራሕ ንኸርእዩዎ ሓደራ ብምባል ብዓወት ንኽምለሱ ዘለዋ ሰናይ ትምኒት ገሊፃ። ኣብቲ ውድድር ዝሳተፉ ኣትሌታትን ኣሰልጠንቲን…
Read More...

ለበዳ ቫይረስኮሮና ኣብ ግምት ዘእተወ ምድላው ኦሎምፒክ ቶኪዮ 2020 ይግበር ኣሎ – ኮሚሽን ስፖርት

ኣዲስ ኣበባ፣ 1 ጥቅምቲ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮጵያ ለበዳ ቫይረስኮሮና ኣብ ግምት ዘእተወ ምድላው ኦሎምፒክ ቶኪዮ 2020 እናተገበረታ ምዃና ኮሚሽን ስፖርት ፌዴሪኢ ኣፍሊጡ። ብምኽንያት እቲ ተላባዲ ሕማም ናብ ፀገም ዝኣተወ ስፖርት ንምንቕቓሕ፥ ስፖርታዊ ኩነት ምትእንጋድ ኣስተዋፅኦ ከምዘለዎ ተኣሚኑሉ እናተሰርሐ ከምዝኾነ ኮሚሽነር እቲ ኮሚሽን ኣይተ ኤልያስ ሽኩር…

ኣትሌት ለተሰንበት ጊደይ ኣቀባብላ ተገይሩላ

ኣዲስ ኣበባ፣ 29 መስከረም፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ስፔን ከተማ ቫሌንሺያ ክብረወሰን ዓለም ደቂ ኣንስትዮ 5 ሺሕ ሜትሮ ዝሰበረት ኣትሌት ለተሰንበት ጊደይ ኣቀባብላ ተገይሩላ። ለተሰንበት ምስ ዋና ኣሰልጣኒኣ ሃይለ ኢያሱ ኣብ ዓለም ለኸ መዕርፎ ነፈርቲ ቦሌ እንትበፅሑ፥ ተቀዳሚ ምክትል ፕሬዚዳንት ፌዴሬሽን ኣትሌቲክስ ኢትዮጵያ ደራርቱ ቱሉ፣ ፕዚዳንት ማሕበር ኣትሌታት…

ኣትሌት ለተሰንበት ግደይ ኣብ 5 ሽሕ ርሕቐት ሓዱሽ ክብረወሰን ዓለም ኣመዝጊባ

ኣዲስ ኣበባ፣ 28 መስከረም፣ 2013(ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣትሌት ለተሰንበት ግደይ ትማሊ ኣብ ሰፔን ቫለንሽያ ኣብ ዝተኻየደ ውድድር ጉያ 5 ሺሕ ሜትሮ 14 ፡ 06 ፡ 62 ግዜ ብምዝዛም ሓድሽ ክብረወሰን ዓለም ኣመዝጊባ። እቲ ክብረ ወሰን ብኢትዮጵያዊት ኣትሌት ጥሩነሽ ዲባባ ተታሒዙ ዝፀንሐ እዩ። ጥሩነሽ ዲባባ ነቲ ርሕቐት ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን ኣብ 2008 ዓ.ም 14 ፡…

ውድድር ኩዕሾ እግሪ ፕሪሜርሊግ ኢትዮጵያ 3 ታሕሳስ ከምዝጅመር ዕላዊ ኮይኑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 26 መስከረም፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ውድድር ኩዕሾ እግሪ ደቂ ተባዕቲዮ ፕሪሜርሊግ ኢትዮጵያ 3 ታሕሳስ 2013 ዓ.ም ከምዝጅመር ሼር ካምፓኒ ፕሪሜርሊግ ኢትዮጵያ ዕላዊ ገይሩ። እቲ ሼር ካምፓኒ፥ ኣብ ውሽጢ ኮቢድ ኮይንካ ውድድር ፕሪሜርሊግ ንምጅማር ምስ ዝምልከቶም ኣካላት ብምዃ ስራሕቲ ቅድመ ምድላው እናሰርሐ ከምዝኾነ እውን ኣፍሊጡ። በቲ ዝተገበረ ምድላው…

ኣብ ማራቶን ለንደን ውፅኢት ዘመዝገቡ ኣትሌታት ኣዲስ ኣበባ እንትበፅሑ ኣቀባብላ ተገይሩሎም

ኣዲስ ኣበባ፣ 26 መስከረም፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ብብርኪ ፕላቲኒየም ዝተሰየመ ንመበል 40 ግዘ ኣብ ዝተኻየደ ማራቶን ለንደን ውፅኢት ዘመዝገቡ ኣትሌታት ሎሚ መዓልቲ ንጉሆ ኣዲስ ኣበባ ኣቲዮም። እቶም ኣትሌታት ኣብ ዓለም ለኸ መዕርፎ ነፈርቲ ቦሌ እንትበፅሑ ድማ ኣቀባብላ ተገይሩሎም። ኣብቲ ስነ-ስርዓት ኣቀባብላ፥ ተቀዳሚት ምክትል ፕሬዚዳንት ፌዴሬሽን ኣትሌቲክስ…

ኣብ ውድድር ጉያ ለንደን ማራቶን ኢትዮጵያዊ ቶላ ቂጣታ ተዓዊቱ

ኣዲስ ኣበባ፣ 24 መስከረም፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ቅድሚ ሒደት ደቓይቕ ዝተዛዘመ ውድድር ጉያ ለንደን ማራቶን ኢትዮጵያዊ ሹራ ቅጣታ ተዓዊቱ። ሹራ ቅጣታ 2 ሰዓት 5 ደቒቕን 41 ሰከንድ ብዝኾነ ሰዓት ኢዩ ውድድሩ ዛዚሙ። ኣብቲ ውድድር ኬንያዊ ቪንሰንት ኪምቾምባ 2 ሰዓት 5 ደቒቕን 42 ሰከንድን ብዝኾነ ሰዓት ካልኣይ እንትወፅእ፥ ኢትዮጵያዊ ሲሳይ ለማ ድማ ብ2 ሰዓት…