ዩኒቨርሲቲ ዓዲ ግራት ነባራትን ሓደሽትን ተምሃሮ ይቕበል ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 23 ጥቅምቲ፣ 2019 (ኤፍ ኤም ሲ) ዩኒቨርሲቲ ዓዲ ግራት ነባራትን ሓደሽትን ተምሃሮ ይቕበል ኣሎ።

እቲ ዩኒቨርሲቲ ሓደሽትን ነባራትን ተምሃርኡ ካብ 23 ክሳብ 24 ጥቅምቲ 2019 ዓ.ም ንክኣትዉ ዝፀውዐ እንትኸውን፤ ብመሰረት እዚ ፃውዒት ድማ ሎሚ ብርክት ዝበሉ ተምሃሮ ናብቲ ዩኒቨርሲቲ እናኣተዉ ይርከቡ፡፡

ኣብቲ ስነ ስርዓት ኣቀባብላ ፕሬዚዳንት እቲ ዩኒቨርሲቲ ገ/ሚካኤል ወልደ ገብርኤል (ዶ/ር) ሓዊሱ ካልኦት ኣመራርሓን ኣባላት ሕብረት ተምሃሮን እቲ ዩኒቨርሲቲ ተረኺቦም ብሓጎስ እናተቐበሉን “እንኳዕ ደሓን መፃኹም” እናበሉወምን ይርከቡ፡፡

እቲ ስነ ስርዓት ኣቀባብላ ሎሚን ፅባሕ ዝቕፅል እንትኸውን፤ ኩሎም ነባራትን ሓደሽትን ተምሃሮ ኣብቶም ዝተገለፁ መዓልትታት ናብቲ ዩኒቨርሲቲ ብምምፃእ ንክምዝገቡ እቲ ዩኒቨርሲቲ ፃውዒት ምቕራቡ እቲ ዩኒቨርሲቲ ኣብ ማሕበራዊ ምትእስሳር ኣብ ዘውፅኦ ሓበሬታ የረድእ።

 

Comments (0)
Add Comment