ሃገራዊ ዘተን መተኣኻኸቢ ያታን ንህንፀት ጥንኩር ሃገረ መንግስቲ

ኣዲስ ኣበባ፣ 11 ነሓሰ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ብኽብሪታት ምክክርን መደመርን ዝህነፅ መተኣኻኸቢን ገዛኢን ያታ፣ ዝፀንዐት፣ ዝማዕበለትን ናይ ኩሉ ሰብ ማዕረ ገዛ ዝኾነትን ኢትዮጵያ ጋህዲ ንምግባር ዘኽእል እዩ።

መበቆል ጥንታዊ ዘርኢ ሰብ ዝኾነት ኢትዮጵያ ኣብ ታሪኻ ብዙሓት ፖለቲካዊ ወጥሪታትን ለውጢታትን እኳ እንተሓለፈት፤ ሎሚ እውን ዘላቒ ሰላምን ሓባራዊ ፖለቲካዊ ምርድዳእን ትጠልብ ኣላ።

ንህንፀ ጥንኩር ሃገረ መንግስቲን ዘላቒ ሰላም ንምርግጋፅን ድማ ናይ ኩሉ መንነትን ድሌትን ዜጋታት ዝንፀባረቐሉ መተኣኻኸቢ ያታ ምፍጣር ቀዳምነት ዝወሃቦ ጉዳይ እዩ።

ከም ዝፍለጥ ንፅል ያታ ንነዊሕ ዓመታት ዝተፈጠሩ ፖለቲካዊ ውጥረታትን ናይ ምክፍፋል ኣመለኻኽታታትን ቀንዲ ምኽንያት ኮይኑ ፀኒሑ እዩ።

እቲ ፀገም ብዘላቕነት ንምፍታሕ ድማ ንዝሓለፉ ጌጋታት ዝእርምን ንዝነበሩ ፅቡቓት ክብሪታት ዘኽብርን ሚዛናዊን መተኣኻኸቢ ያታ ምሕንፃፅ እዚ እዋን ዝጠልቦ ኣገዳሲ ሕቶ እዩ።

ነዚ መተኣኻኸ ያታ ንምፍጣር ድማ ኣምር መደመር ሕሉፍ ፅቡቕ ታሪኽ ብምሕላው ናይ ሎሚ ዓሚቕ ዓቕሚ ብምውህሃድን ብሩህ ተስፋ ፅባሕ ብምሕሳብን ቀንዲ ፍልስፍና ኮይኑ ኣሎ።

እዚ ፅንሰ ሓሳብ መደመር ኣብ ከይዲ ህንፀት ሃገረ መንግስቲ ኢትዮጵያውነትን ህብረ ብሄራዊነትን ሕድሕዶም ዝደጋገፉሉ እወንታዊ መገዲ የመልክት።

ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብ ምዝዛም ዝርከብ ከይዲ ሃገራዊ ዘተ ድማ ናይ እዞም ዝተፈላለዩ ክፋላት ሕብረተሰብን ፖለቲካዊ ሓይልታትን ድሌታት ብስልጡን መንገዲ ንምትእንጋድ ዝተዳለወ ታሪኻዊ መድረኽ እዩ።

ኣብ እዋን ሃገራዊ ዘተ ብቕንዕናን ብግልፅነትን ዝካየዱ ዘተታት፣ ንመፃኢ መተኣኻኸቢ ያታን ማሕበራዊ ውዕሊን መሰረት ዘንብሩ እዮም።

ካብዚ መካተቲን ኣሳታፊን ከይዲ ዘተ ዝወፅእ መተኣኻኸቢ ያታ ህዝባዊ ቅቡልነት ረኺቡ ደረጃ ብደረጃ ናብ ማእከላይ “ገዛኢ ያታ” ክዓቢ ይገብር።

ከምዚ ዝበለ ማእኸላይ ያታ ምህላዉ፤ መንግስታት እንትቀያየሩ እኳ መሰረታዊ ዕላማ ሃገረ መንግስቲ ከይነከየ ሃገር ብፅንዓትን ብርግኣትን ንኽትቕፅል ይገብር።

ኣብ ነባራዊ ኩነታት ኢትዮጵያ ድማ ገዛኢ ተረኽ ብዙሕነት እታ ሃገር፣ ቋንቋታትን ባህሊታትን ዘኽብር፣ ሓድነት ህብረ ብሄራት ዝሓዘ ክኸውን ኣለዎ።

ሓድነት ህብረ ብሄራዊነት ማለት መሰል ኩሎም ብሄራት ተኸቢሩ፣ ሓባራዊት ሃገር ዝህነፀሉ ራኢ ማለት እዩ። እዚ ድማ ፅንፈኝነትን ኣግላላነትን ብምውጋድ ዜጋታት መንነቶም ተኸቢሩ ብኢትዮጵያውነቶም ክሕበኑ ዝገብር እዩ።

እዚ ዓብዪ ዕላማ ንምዕዋት ድማ፣ መራኸቢ ሓፋሽ፣ ኣቦታት ሃይማኖት፣ ዓበይቲ ዓዲ፣ ፖለቲካዊ ሰልፊታትን ካልኦት ተዋሳእትን እወንታዊ ክብሪታት ህብረ ብሄራዊ ሕውነት ኣብ ምጥንኻር ናይ ባዕሎም ግደ ክዋፅኡ ይግባእ።

Comments (0)
Add Comment