ኣዲስ ኣበባ፣ 29 ሰነ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ሕብረት ኣውሮፓ ኣብ ኢትዮጵያ እናተኻየደ ዝርከብ ሃገራዊ ዘተ ዘላቒ ሰላምን ብሄራዊ ሓድነትን ንምፍጣር ዘኽእል ታሪኻዊ ዕድል ኢዩ ኢሉ።
መራሒት ሉኡኽ ሕብረት ኣውሮፓ ኣብ ኢትዮጵያ ኣምባሳደር ሶፊ ፍሮም-ኤመስበርገር ከምዝበለኦ፥ እቲ ሃገራዊ ዘተ ኢትዮጵያ ዋና ዋና ፍልፍል ኣፈላላያት ብሰላማዊ መገዲ ንምፍታሕ ትገብሮ ፃዕሪ ዝሕግዝ ወሳኒ ምዕራፍ ኢዩ።
እቲ መድረኽ ካብ ዝተፈላለዩ ክፋላት ሕብረተሰብ ዝተውፃእፅኡ ዜጋታት ሓሳብ ዝለዋወጡሉን ዕድል ኢትዮጵያ ዝውስኑ ምኽረ-ሓሳባት ዝፍልፍሉሉ ምዃኑ ንፋና ሚዲያ ኮርፖሬሽን ተዛሪበን፡፡
ንኣመራርሓ እቲ ኮሚሽን ሃገራዊ ዘተ ዝነኣዳ እተን ኣምባሳደር፥ ሕብረት ኣውሮፓ ንከይዲ እቲ ዘተ ሙሉእ ሓገዝ ከምዝገብር ኣረጋጊፀን።
ካብ ሃገራዊ ዘተ ሓሊፉ ምሕዝነት ሕብረት ኣውሮፓን ኢትዮጵያን ኣብ ለውጢ ንብረት ኣየር፣ ዝሕደስ ሓይሊን ዘላቒ ልምዓትን ተጠናኺሩ ከምዝቐፀለ ኣመልኪተን።
ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝርከቡ ዲፕሎማሰኛታት ዝተኻየደ መርሃ ግብሪ ተኸላ ፈልሲ ሓምለዋይ ኣሰር ዘልዐላ እተን ኣምባሳደር፥ ሓምለዋይ ኣሰርን ዝሕደስ ሓይሊን ካብ ነዳዲ ዝልቀቑ በከልቲ ጋዛትን ንምንካይ ዘለዎም ረብሓ ኣብሪሀን።
ካብዚ ብተወሳኺ ሕብረት ኣውሮፓን ኢትዮጵያ ሕርሻ ንምዝማንን ኣብ ካልኦት ዓውዲታት ዘለዎም ምትሕብባር ብዝበለፀ ንምጥንኻር ከምዝሰርሑ ፀሪሐን፡፡
ብሶስና ኣለማየሁ