ልዕሊ 350 ዘይሕዊ መከፋፈሊ ነዳዲ ስጉምቲ ተወሲዱዎም

ኣዲስ ኣበባ፣ 2 ሓምለ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ ዝተዛዘመ በጀት ዓመት ምስ ዘይሕጋዊ ንግዲ ነዳዲ ተተሓሒዙ ልዕሊ 350 መዕደሊ ነዳዲ ስጉምቲ ተወሲዱ ኢሉ በዓል መዚ ነዳዲን ኢነርጂን፡፡

ዋና ዳይሬክተር እቲ በዓል መዚ ደስታው መኳንንት (ዶ/ር) ንፋና ሚዲያ ኮርፖሬሽን ከምዝበሉዎ÷ ኣብዚ ዓመት 4 ነጥቢ 5 ሚሊየን ሜትሪክ ቶን ነዳዲ ንምቕራብ ተሓሲቡ 4 ነጥቢ 2 ሚሊየን ሜትሪክ ቶን ብምቕራብ 94 ሚኢታዊ እቲ ትልሚ ምዕዋት ተኻኢሉ፡፡

በዚ ድማ ዝርገሐ ፃዕዳ ናፍጣ ንመዕደሊታትን ንክልላትን 69 ነጥቢ 5 ሚኢታዊ፣ ንቁልፊ ፕሮጀክታት 9 ነጥቢ 5 ሚኢታዊ ከምኡ እውን ንፕሮጀክታት መገዲ 13 ሚኢታዊ፣ ንኢንዱስትሪ 7 ሚኢታዊን ንሕርሻ 1 ሚኢታዊ ብፅሒት ከምዘለዎም ኣልዒሎም።

ብምኽንያት ምዕፃው ወሽመጥ ሆርሙዝ ዝተፈጠረ ቅልውላው ነዳዲ መንግስቲ ዝተዋፀአሉ መገዲ ተሞክሮ ክኸውን ዝኽእል ኢዩ ክብሉ ኣዘኻኺሮም እቶም ዳይሬክተር፡፡

ዝተፈጠረ ፅዕንቶ ከም ፅቡቕ ኣጋጣሚ ብምውሳድ ኣብ ዘይሕጋዊ ተግባራት ተዋፊሮም ዝነበሩ 688 ውልቀሰባት ብሕጊ ተሓተትቲ ምግባር ከምዝተኽኣለ ገሊፆም፡፡

ምስ ዘይሕጋዊ ንግዲ ነዳዲ ተተሓሒዙ ልዕሊ 350 መዕደሊ ነዳዲ ዝተፈላለዩ ስጉምቲታት ከምዝተወሰደ ብምሕባር÷ መብፅሒኦም ዝቐየሩ ቦቴታት ክሳብ 6 ወር ንዝበፅሕ እዋን ከምዝተኣገዱ ተዛሪቦም፡፡

ብመሳፍት እያዩ

Comments (0)
Add Comment