ሓምለዋይ ልምዓትን ቱሪዝምን ተስፋ ናይ ፅባሕ ወለዶ

ኣዲስ ኣበባ፣ 12 ነሓሰ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ሓምለዋይ ኣሰር ስነ ምህዳርን ተፈጥሮኣዊ ሃፍቲን ብምሕላው ንወለዶ ክመሓላለፍ ዝገብር ዘላቒ ከይዲ ልምዓት እዩ።

ኣብዚ ሕዚ እዋን ክሌማዊ ለውጢ ብከላ ኣካባቢን ንዓለምና ካብ መዓልቲ ናብ መዓልቲ እናፈተኑዋ ዝርከቡ ዓበይቲ ብድሆታት እዮም።

ኣብዚ ወሳኒ እዋን ድማ ቁጠባዊ ዕቤት ምስ ፍልጠትን ሓለዋ ኣካባቢን ምውህሃድ ኣማራፂ ዘይብሉ ተግባር እንትኸውን፤ እቲ መርሃ ግብሪ ንዘላቒ ዕቤት ዓውዲ ቱሪዝም ልዑል ኣስተዋፅኦ ይገብር።

ሓምለዋይ ኣሰር ኣግራብ፣ እንስሳታት፣ ኣትክልቲ፣ ፓርክታትን ውቁብ መልክዓ ምድርታትን ካብ ጥፍኣት ብምድሓን ንበፃሕቲ ማራኺ ክኾኑ ይገብር።

ምልቃቕ ካርበን ብምንካይ ንከባቢ ዝስማዕማዕ ኣማራፂታት ትራንስፖርትን ሓምለዎት ህንፃታትን ኣብ ሆቴላትን ሎጃትን ብምጥቃም መስሕብ ቱሪዝም የስፍሕ።

ሃገርና ንሓለዋ ኣካባቢ ዘለዋ ቁራፅነት ብምርኣይ ኣህጉራውያን በፃሕቲ ክትስሕብ ክኢላ እያ።

ቱሪዝም ንማሕበረሰብ ከባቢ ተረባሕቲ ብምግባር ንተፈጥሮኣዊ ሃፍቱ ዋሕስ ኮይኑ ክሕልዎ የለዓዕሎ። ከምኡ እውን ናይቲ ከባቢ ባህላዊ ክብሪታት፣ ልምዲታትን ታሪኻዊ ሓድጊታትን ብምክንኻን ትኽክለኛን ዘላቒን ተሞክሮ ቱሪዝም ይፈጥር።

ሓምለዋይ ኣሰርን ቱሪዝምን ኢኮኖሚ ዝኾነት ሃገር ንምዕባይን ንመፃኢ ወለዶ ንፁህቲን ውቅብቲን ዓለም ንምርካብን ዘኽእሉ ተግባራት እዮም።

ብትእግስት ግዛቸው

Comments (0)
Add Comment