ኣዲስ ኣበባ፣ 21 ነሓሰ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ) ኣብ ኔፓል ብዘጋጠመ ከቢድ ሓደጋ ውሕጅ ቁፅሪ ሞት ናብ 177 እንትበፅሕ፣ ካብ 800 ንላዕሊ ሰባት ድማ ክሳብ ሕዚ ናብ ዝኣተዉዎ ኣይተፈልጠን።
ትማሊ ኔፓል ምስ ቻይና ኣብ እትዋሰነሉ ግዝኣት ቲቤት ብዘጋጠመ ሓደጋ ውሕጅ ብዙሓት ኣባይትን ድልድላትን ከፍርስ እንከሎ ህይወት ብዙሓት ሰባት እውን ኣስኢኑ።
በቲ ሓደጋ ክሳብ ሕዚ 177 ሰባት ዝሞቱ እንትኾን ካብ 800 ንላዕሊ ሰባት ድማ ዝኣተዉዎ ብዘይምፍላጡ ቁፅሪ ሞት ካብዚ ንላዕሊ ክውስኽ ከም ዝኽእል ፖሊስ ኔፓል ኣፍሊጡ።
ኣብ ወሰን ሩባ እትርከብ ከተማ ቲቤት ብሰንኪ ኣቀማምጣ ጂኦግራፍን ኣብታ ከተማ ዘይቋረፅ ዝናብን፣ ስራሕ ምድሓን ህይወት ንምክያድ ኣፀጋሚ ከም ዝገበሮ ተገሊፁ።
በቲ ሓደጋ ብዘይካ ዜጋታት ኔፓል፣ ካብ ህንዲ፣ ኣሜሪካን ዩናይትድ ኪንግደምን ዝመፁ ልዕሊ 100 ቱሪስታት ህይወቶም ከም ዝሓለፈ ተፈሊጡ።
መሰረት ኣሜሪካ ጂኦሎጂካል ሰርቬይ ከምዝገለፆ፤ ኣብ ኔፓል ዝዘነበ ከቢድ ዝናብን በረድ ንክፈርስ ብምግባር ንምፍጣር እቲ ሓደጋ ምኽንያት ኮይኑ።
እቲ ሓደጋ እናተኸስተ ዘርኢ ቪድዮ ትማሊ ምሸት ኣብ ብዙሓት ማሕበራዊ ሚድያታት ዝተዘርግሐ እንትኾን፤ ንስራሕ ምድሓን ህይወት ኔፓል ድማ ብዙሓት ሃገራት ልኡኻት ሓገዝ እናዋፈራ ከምዝርከባ ቢቢሲ ፀብፂቡ።
ብሚኪያስ ኣየለ