ኣዲስ ኣበባ፣ 23 ሚያዚያ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ሓዱሽ ዝተዋደደን ሬጉላቶሪን ምሕደራን ስርዓት ሚዲያ ኣብ ሓበሬታ ዝተመስረተ ተሓታትነት ዘዕስል ኢዩ ኢሎም ዳይሬክተር ጄነራል ብሄራዊ ኣገልግሎት ሓበሬታን ድሕንነትን ኣምባሳደር ሬድዋን ሁሴን፡፡
ኣምባሳደር ሬድዋን በዓል መዚ መራኸብቲ ሓፋሽ ኢትዮጵያ ምስ ኢንስቲትዩት ኣርቲፊሻል ኢንተለጀንስ ብምትሕብባር ዝለምዐ ዝተዋደደ ስርዓት ሬጉላቶሪን ምሕደራን ስርዓት ሚዲያ ቴክኖሎጂ ኣብ ዘመረቐሉ እዋን ኢዮም እዚ ገሊፆም።
በቲ ስርዓት ቅድሚ ሕዚ ዝነበሩ ከይዲታት ኣሰራርሓ ብምዕራይ ኣብ ሓበሬታ ዝተመስረተ ሕጋዊ ተሓታትነት ዘዕስል ከምዝኾነ ተዛሪቦም።
ግልፂን ተሳትፎ ዜጋታት ዘረጋግፅን ከምዝኾነ ብምሕባር ሓበራዊ ምርድዳእ ብምፍጣር ኣብ ሞንጎ ሚዲያን ተቖፃፀርቲ ትካላትን ዘሎ ርክብ ከምዘዕቢ ኣብሪሆም።
ብወንድሙ ኣዱኛ