ሓዳሽ ኢትዮጵያ ናብ ባሕሪ እንትትግስግስ ናይ ታሪኽ ዕንቅፋት ኣቃኒዓ ኣቐዲማ ናብ ዝነበረቶ ናይ ክብሪ ቦታ ክትምለስ እያ

ጥንታዊት ውፅኢት ፅንዓት ብዙሓት ህዝብታት ዝኾነት ሃገርና ኢትዮጵያ፣ ብዙሓት ዓበይቲ ታሪኻትን ስልጣነታትን ዝወነነት እኳ እንተኾነት፤ ንዝሓለፉ ሰለስተ ዓሰርተ ዓመታት ብዘይ መውፅኢ በሪ ባሕሪ ብምፅናሓ ኢኮኖሚያዊን ጂኦፖለቲካዊን ዓቕማ ተገዲቡ ፀኒሑ እዩ።

እንተኾነ ግን፣ ብፅኑዓት ጀጋኑ ዝተሃንፀ መንፈስ ናፅነት ሎሚ እውን ኣብ ልብና ይነብር ኣሎ። ንሕና ኢትዮጵያውያን ካብ ዝነበረና ጥንታዊ ታሪኽ ወናንነት በሪ ባሕሪ ብመንፅር ዘለናዮ ቅርበት ባሕሪ ኣቀማምጣን ብምብጋስ በሪ ባሕሪ ክህልወና ይግባእ።

እዚ ድሌትን ተስፋን ጥራሕ ዘይኮነስ ትንሳኤ ሃገርና፣ ሓባራዊ ምዕባለ ህዝብናን ኣብ ዓለም ለኸ መድረኽ እንረኽቦ ሓዱሽ ናይ ልዕልና መረጋገፂን ዝእውጅ ዓብዪ ምዕራፍ ታሪኽ እዩ።

በሪ ባሕሪ ንኢትዮጵያ ቀዳማይን ዓብዪን ረብሓ ናፅነት ኢኮኖሚ እዩ። ኣብዚ ሕዚ እዋን ብቢልዮናት ዶላር ንክራይ ወደብን ናይ ትራንዚት ወፃኢታትን እተውፅእ ሃገርና፣ ናይ ባዕላ በሪ ባሕሪ ምስ ዝህልዋ ግን እዚ ልዑል ሃፍቲ ብቐጥታ ናብ ውሽጣዊ ልምዓት ክውዕል ይኽእል።

ሓረስቶትና፣ ኣፍረይቲን መናእሰይ ፈጠርቲ ስራሕናን ፍርያቶም ብዘይ ዕንቅፋትን ኢድ እታውነት ደለልቲን ብቐጥታ ናብ ዓለም ለኸ ዕዳጋ ምቕራብ ይጅምሩ።

ኣታዊን ወፃኢን ንግዲ እንትቀላጠፍ፣ ምኽባር ናብራ ይንኪ፤ ሓደሽቲ ዞባታት ኢንዱስትሪ ይፍጠሩ፤ ንሚልዮናት መናእሰይ ድማ ዕድል ስራሕ ክፍጠረሎም ይገብር። ናይ ባዕልና መራኽብ ሰንደቕ ዕላማ ኢትዮጵያ እናንበልበላ ኣብቲ ሰማያዊ ውቅያኖስ እናሓመሳ ምርኣይ፣ ኢኮኖሚያዊ ሉኣላውነትና ምሉእ ዝገብር ዓብዪ ዓወት እዩ።

ካብዚ ሓሊፉ ወናኒ ወደብ ምዃን ዓቕምና ናይ ጂኦፖለቲካዊ ድርድር ብልዐል ደረጃ ክውስኽ ይገብሮ። ኢትዮጵያ ኣብ ምብራቕ ኣፍሪካ ዘለዋ ፖለቲካዊን ድሕንነታዊን ግደ ብዝያዳ ብምጥንኻር፣ ኣብ ዓለም ለኸ መስመራት ንግዲ ባሕሪ ቀጥታዊ ፅልዋ ዘለዋ ሃገር ክትከውን የኽእላ።

እዚ ድማ ኣብ መንጎ ጎረባብቲ ሃገራት ዘለዋ ክብሪን ሽርክነትን ብዝበለፀ ዘጠናኽር እንትኸውን፤ ዞባዊ ውህደት ኣብ ሓባራዊ ተረባሕነት ብምምስራት ንምምራሕ ዕድል ዝህብ እዩ።

ጥንታዊ ስልጣነ ኣኽሱም ብመንገዲ ወደብ ኣዱሊስ ምስ ዓለም ትራኸብ ከም ዝነበረቶ፣ ሓዳሽ ኢትዮጵያ እውን ናብ ውቅያኖስ እናገሰገሰት፣ ንዝተጠምዘዘ ታሪኽ ብምእራም ቀደም ናብ ዝነበረቶ ናይ ክብሪ ቦታ ክትምለስ እያ።

እዚ ምዕዋት፣ ኣብ ስነ ኣእምሮ ህዝብና ዝፈጥሮ ንቕሓት ብቐሊሉ ዝግመት ኣይኮነን። ንዘበናት ዝፀንሐ ምዕፃው በሪ ባሕሪ እንተብቅዕ፣ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያውያን ሓዱሽ ሓድነት፣ ኩርዓትን “ንኽእል ኢና” ዝብል መንፈስን ክነግስ ዝገብር እዩ።

ባሕሪ ኩሉ ግዜ ሰፊሕ ኣድማስን ሓደሽቲ ዕድላትን የርኢ። ንሕና ኢትዮጵያውያን ወደብ እንትህልወና፣ ናብ ደገ እንሪአሉ መስኮት ጥራሕ ዘይኮነስ፣ ዓለም ናባና እትጥምተሉ ዓብዪ ይኽፈት። ሽዑ፣ ተስፋና ክለምልም፣ ሃገርና ድማ ናብ ዘይናጋዕ ብራኸ ምዕባለ ክትበፅሕ ይገብራ።

እዚ እነዕውተሉ፣ ጽንዓትናን ሓባራዊ ፃዕርናን ፍረ ዝህበሉ መዓልቲ ርሑቕ ኣይኮነን።

Comments (0)
Add Comment