ኣዲስ ኣበባ፣ 5 ነሓሰ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ኢትዮጵያ ብመሪሕነት መንግስቲ መደመር ብሄራዊ ረብሓታኣ፣ ህንፀት ሰላም፣ ኢኮኖሚያዊ ምትእስሳርን ሸቶታት ልምዓታን ንምርግጋፅ ብዝሕግዝ መገዲ ዲፕሎማሲኣ ብሰፊሑ እናተጠቐመት ትርከብ።
ዲፕሎማሲ፤ ሓንቲ ሃገር ምስ ካልኦት ሃገራት ዘለዋ ዝምድና ብሰላማዊ መንገዲ እትመሓደረሉን ሓባራዊ ረብሓታት እተረጋግፀሉን ቀንዲ መሳርሒ እዩ።
ካብ ጎንፂ ንላዕሊ ዘተ፣ ካብ ምግላል ንላዕሊ ምትሕብባር ብምቕዳም ሃገራት ሓባራዊ ረብሓታተን ንምሕላው ዲፕሎማሲ ይጥቀማሉ።
ኣብ ዘመናዊ ዓለም ዲፕሎማሲ ካብ ፖለቲካዊ ዝምድና ሓሊፉ ቁጠባዊ ምትእስሳር ንምጥንኻር፣ ኢንቨስትመንትን ንግድን ንምስፍሕፋሕ፣ ኣብ ጉዳያት ሰላምን ድሕነትን ብሓባር ንምስራሕ፣ ከምኡ እውን ምስሊ ሃገር ንምህናፅን ፅዕንቶኣ ንምዕባይን ዓብዪ ግደ ይፃወት።
ብምዃኑ ድማ ዲፕሎማሲ ናይ ወፃኢ ጉዳያት ጥራይ ዘይኮነትስ፤ መፈፀሚ ልምዓት ሃገርን ብሄራዊ ረብሓን እዩ።
ኣብዚ መዳይ ኢትዮጵያ ካብ ዝሓለፉ ቀረባ ዓመታት ኣትሒዛ ብመሪሕነት መንግስቲ መደመር ዲፕሎማሲ ብሄራዊ ረብሓኣ ንምሕላው፣ ንህንፀት ሰላም፣ ንቁጠባዊ ምትእስሳርን ሸቶታት ልምዓታ ንምዕዋትን ብሰፊሑ እናተጠቐመትሉ ትርከብ።
ንኣብነት ድማ ምስ ጎረባብቲ ሃገራት ዘለዋ ዝምድና ሰላምን ምትሕብባርን ብምጥንኻር፤ ምስ ጂቡቲ፣ ኬንያ፣ ሶማልያን ደቡብ ሱዳንን ኣብ ዓውድታት ንግዲ፣ መሰረተ ልምዓትን ዞባዊ ሰላምን ዝተኻየዱ ሰፋሕቲ ስራሕቲ ይፅርሑ።
ምስ ሃገራት ኣፍሪካ፣ እስያን ማእከላይ ምብራቕን ዘለዋ ምትእስሳር ንግድን ኢንቨስትመንትን ምስፋሕ ቀንዲ ኣንፈት ቁጠባዊ ዲፕሎማሲ ኮይኑ ኣሎ።
ኢትዮጵያ ንሩባ ኣባይ ሓዊሱ፣ ንሃፍቲ ማይ ኣብ ፍትሓዊን ምኽንያታዊን መትከላት ናይ ምጥቃም ሕጋዊ መሰላ ንምሕላው ዓቕሚ ዲፕሎማሲኣ እነጠናኸረት ትቕፅል ኣላ።
ካብዚ ብተወሳኺ ከም መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ዝኣመሰሉ ተበግሶታት ሓምለዋይ ልምዓትን ሓለዋ ኣካባቢን፤ ኢትዮጵያ ኣብ ዓለም ለኻዊ ጉዳያት ዘለዋ ቆራፅነት ምትሕብባር ዘመልክቱ እዮም።
ኣብ ሕብረት ኣፍሪካን ካልኦት በዓል ብዙሕ ወገን መድረኻትን ዘለዋ ተሳትፎ ምጥንኻራ እውን ኣብ ዓለም ዘለዋ ፅዕንቶን ተሰማዕነትን ዝያዳ ንኽዓቢ ልዑል ኣስተዋፅኦ ገይሩ እዩ፡፡
ብኣመለወርቅ ደምሰው