ኣዲስ ኣበባ፣ 2 ሓምለ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ሕቶ ተረባሕነት በሪ ባሕሪ ኢትዮጵያ ካብ 130 ሚሊየን ህዝባን ቅልጡፍ ዕቤታን ዝፈልፈለ ተፈጥሮኣዊ መሰል ኢዩ ኢሎም ምክትል ኣምባሳደር ዩናይትድ ኪንግደም ኣብ ኢትዮጵያ ሉክ ብሎክ፡፡
እቶም ምክትል ኣምባሳደር ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝርከቡ ማሕበረሰብ ዲፕሎማቲሲ ኣብ ዝወገኑዎ መርሃ ግብሪ ተኸላ ፈልሲ ሓምለዋይ ኣሰር ተሳቲፎም።
ኣብዚ እዋን ድማ ኢትዮጵያ ፍርያታታ ናብ ወፃኢ ንምልኣኽን ንምልማዕን ዝኾኑ እታወታት ንምእታው ሰፊሕ በሪ ባሕሪ ከምዘድልያ ተዛሪቦም።
እቶም ም/ኣምባሳደር ድሌት በሪ ባሕሪ ኢትዮጵያ፤ ብመንፅር ዘለዋ ልዑል ቁፅሪ ህዝቢ፣ ቅልጡፍ ኢኮኖሚያዊ ዕቤትን እናወሰኸ ምስ ዝመፅአ ድሌት ንግዲ እንትረአ ተፈጥሮኣዊን ግቡእን ኢዩ ኢሎም።
ሉክ ቡሎክ ሃገሮም ሕቶ ተረባሕነት በሪ ባሕሪ ኢትዮጵያ ከምትድግፍ ምስ ፋና ሚዲያ ኮርፖሬሽን ኣብ ዝገበሩዎ ፃንሒት ኣረጋጊፆም፡፡
እቶም ስምምዕነታት ብዘተ፣ ብሓበራዊ ምክብባርን ኣብቲ ዞባ ሰላምን ምርግጋእን ብዘዕስል መልክዑ ክውገኑ ከምዘለዎም ኣፅንኦት ሂቦም፡፡
ካብዚ ብተወሳኺ ንከይዲ ሃገራዊ ዘተ ዓወት ዝተመነዩ እንትኾኑ÷ መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ክሌማዊ ለውጢ ንምፅዋር ዘለዎ እጃም ዕዙዝ ከምዝኾነ ኣገንዚቦም።
ብሶስና ኣለማየሁ