ሕፅረት መንበሪ ኣባይቲ ንምቅላል ዝካየዱ ስራሕቲ ተጠናኺሮም ክቕፅሉ እዮም – ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር)

ኣዲስ ኣበባ፣ 4 ሕዳር፣ 2019 (ኤፍ ኤም ሲ)ሕፅረት መንበሪ ኣባይቲ ንምቅላልን ፅዕንቶ መንበሪ ኣባይቲ ህዝብና ንምቅላልን ዝካየዱ ስራሕቲ ተጠናኺሮም ክቕፅሉ እዮም ኢሎም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር)።

እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፤ ኣብ ቱሉ ዲምቱን መርካቶ ኣዲስ ከተማ ብልምዲ ቅጠል ተራ ኣብ ዝበሃል ከባቢን ዝተሃነፁ ኣባይቲ ተዓዚቦም።

ብዛዕባ እቲ ዑደት መብርሂ ኣብ ዝሃብሉ እዋን፤ እናተሃነፀት እትርከብ ሃገር ከም መገዲ፣ ማይ፣ መብራህቲን መንበሪ ኣባይቲን ዝበሉ መሰረታዊ ድሌታት ሓዊሱ ካልኦት ሕቶታት ከምዘለዉዋ ኣልዒሎም።

ሓደ ካብቶም ቀንዲ ብስራታት ጉባ ፀገም ቀረብ መንበሪ ኣባይቲ ዜጋታት ብምፍታሕ ናብራኦም ምምሕያሽ ምንባሩ ብምግላፅ፤ 1 ነጥቢ 5 ኣባይቲ ንምህናፅ ትልሚ ከምዝተቐመጠ ኣዘኻኺሮም።

እቲ ትልሚ ንምዕዋት ድማ ሎሚ ዝተዓዘቡዎም ኣባይቲ ሓዊሱ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ጥራሕ ኣብ ዝተፈላለዩ ቦታታት ልዕሊ 100 ሺሕ ኣባይቲ ይህነፁ ከምዘለዉ ኣመልኪቶም።

ኣባይቲ ንምህናፅ ትልሚ ኣብ ዝተሓንፀፀሉ እዋን ነቶም ኣባይቲ ሃኒፅካ ንምዝዛም ዘድሊ ገንዘብ፣ ከምኡ እውን ከም ሓፂን፣ ሴራሚክን መስትያትን ዝኣመሰሉ ናውቲ ህንፀት ብኸመይ ክርከቡ ከምዝኽእሉ ብሓባር ተሓሲቡ ከምዝነበረ ኣዘኻኺሮም።

ብመሰረት እዚ ናውቲ ህንፀት ኣብ ውሽጢ ሃገር ምፍራይ ከምዝተኻኣለ ከምኡ እውን ፋይናንሳዊ ፈንድ ንምርካብ ምስ ባንክታት ብምትሕብባር ምስራሕ ከምዝተኻኣለ ኣመልኪቶም።

እዚ ድማ ህንፀት ኣባይቲ ኣብ ሓፂር እዋን ንምዝዛም ከምዝተኽኣለ ዝሓበሩ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፤ ሎሚ መዓልቲ ዝተዓዘቡዎም ኣባይቲ ናይዚ መርኣያ ምዃኖም ፀሪሖም።

ኣብ ኢትዮጵያ ፀገም መንበሪ ኣባይቲ ንህዝቢ ፅዕንቶ ናብራ ከምዝፈጥር ብምሕባር፤ ነዚ ፀገም ምላሽ ንምሃብ ዘፈር ውልቀን ካልኦት ተዛመድቲ ኣካላትን ምስ መንግስቲ ብምትሕብባር ክሰርሑ ከምዝግባእ ኣተሓሳሲቦም።

#ኢትዮጵያ #ትልቅሀገር #ትልቅሕዝብ #ታላቅርዕይ

ብሚኪያስ ኣየለ

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment