ስርዓታት ቅድመ-መጠንቀቕታ ኩነታት ኣየር ምጥንኻር ይግባእ – ኣይተ በረከት ፍስሃፅዮን

ኣዲስ ኣበባ፣ 4 ሕዳር፣ 2019 (ኤፍ ኤም ሲ)ስርዓታት ቅድመ መጠንቀቕታ ኩነታት ኣየር ምጥንኻርን ትንበያታት ሓደጋ ናብ ተግባራዊ ቅድመ ስጉምቲ ምልዋጥን ይግባእ ኢሎም ሚኒስትር ብሄራዊ ስትራቴጂ በረከት ፍስሃፅዮን።

ጎድና ጎድኒ ጉባኤ ኮፕ31 “ስርዓታት ቅድመ መጠንቀቕታ ኣፍሪካ ምቅልጣፍን ንዝተፈላለዩ ሓደጋታት ናይ ምፅዋር ዓቕማ ምጥንኻርን” ብዝብል ርእሲ መድረኽ ዘተ ተኻይዱ።

እቶም ሚኒስትር ኣብቲ እዋን ኣብ ዘስምዑዎ መደረ፤ ተበፃሕነት ሓበሬታ ክሊማ ምምሕያሽን ዘላቒ ፍልፍላት ፋይናንስ ምእካብን ኣድላዪ ምዃኑ ኣገንዚቦም።

ስርዓታት ቅድመ መጠንቀቕታ ምጥንኻርን ትንበያታት ሓደጋ ናብ ተግባራዊ ቅድመ ስጉምቲ ምልዋጥን ዘለዎ ኣገዳስነት ኣብሪሆም።

ዓቕሚ ድሉውነት ምዕባይን ንሓደጋታት ምስ ለውጢ ክሊማ ዝተኣሳሰሩ ተቓላዕቲ ማሕበረሰባት ምክልኻልን ከምዘድሊ እውን ገሊፆም።

#ኢትዮጵያ #ኮፕ_32_ኢትዮጵያ #COP31 #COP32 #COP32ETHIOPIA #fanamediacorporation

Comments (0)
Add Comment