ኣዲስ ኣበባ፣ 4 ሕዳር፣ 2019 (ኤፍ ኤም ሲ)ከንቲባ ከተማ መቐለ ሺሻይ ኣማረ (ዶ/ር)ን ሓላፊ ፕሮጀክት ልምዓት ኮሪደር እታ ከተማ ፀጋዘኣብ ኪዳኑን ብዛዕባ ምንቅስቓሳት ልምዓት ኮሪደር ኣመልኪቶም ምስ ኣቦታት ሃይማኖትን ዓበይቲ ዓዲን ተዛቲዮም።
ኣብቲ እዋን ዘተ ከንቲባ ከተማ መቐለ ሺሻይ ኣማረ (ዶ/ር)ን ሓላፊ ፕሮጀክት ልምዓት ኮሪደር መቐለ ኢንጂነር ፀጋዘኣብ ኪዳኑን ተረኺቦም መብርሂን ገለፃን ገይሮም።
ብመሰረት እዚ እቲ ፕሮጀክት ከም መበገሲ ፕሮጀክት ፈለማ ካብ ከባቢ መንበሪ ኣባይቲ ብዙሕ ዘይተቐራረበን መንበሪ ኣባይቲን ትካላትን ብዘይጉድእ መልክዑ ንምስራሕ ቀዳምነት ከምዝተውሃቦ ተሓቢሩ።
ካብዚ ብተወሳኺ ንመናእሰይ ተረባሕቲ ዕድል ስራሕ ንምግባር ዘለዎ ዕድል ምዕባይ፣ ከምኡ እውን ብኹሉ ብርኪ ዘሎ ኣመራርሓ ልዑል ባህሊ ስራሕ ከማዕብል ምኽኣል ቀዳምነት ዝተውሃቦ ጉዳይ ምዃኑ ተገሊፁ።
ብሓፈሻ ሕብረተሰብ ልምዓት ኮሪደር ብቕልጡፍ ክጅመር ዘለዎ ድሌት መበገሲ ብምግባር ኣመራርሓ ክፍለ ከተማታት እውን ብቆራፅነት ከምዝድግፉ ብሰፊሑ ሓሳቦም ኣቕሪቦም።
እቲ ዘተ ምስ ሕብረተሰብ ንግዲ፣ ምሁራት ኣካዳሚን ተወከልቲ ሕብረተሰብ ዝተፈላለያ ክፍልታትን ክቕፅል እዩ።
ብግዛቸው ግርማዬ