ኣዲስ ኣበባ፣ 4 ሕዳር፣ 2019 (ኤፍ ኤም ሲ)ቃልና ብተግባር ንምርግጋፅ ቀትሪን ለይቲን ብዘይ ዕረፍቲ እናይተጋህና ንርከብ ኢሎም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር)።
እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ገፆም ኣብ ዘመሓላለፉዎ መልእኽቲ፤ ኣብ ውሽጢ ሓሙሽተ ዓመታት ኣባይቲ ሃኒፅና ንህዝብና ንምርካብ ቃል ኣቲና ኢና ኢሎም።
ነዚ ቃልና ብተግባር ንምርግጋፅ ድማ ቀትሪን ለይቲን ብዘይ ዕረፍቲ እናይተጋህና ንርከብ ኣለና ክብሉ ገሊፆም።
ህዝብና ብሰንኪ ሕፅረት መንበሪ ኣባይቲ ዘጋጥሙዎ ፈተናን ስግኣትን ብግቡእ ንርዳእ ኢና ዝበሉ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፤ ደረጃኦም ዝሓለዉን ብተመጣጣኒ ዋጋ ዝቐርቡን መንበሪ ኣባይቲ ምምችቻው፣ ሸቶ ልምዓት ጥራሕ ዘይኮነስ፣ ብዜጋታትና ዝተነበረና ሓደራን ሓላፍነትን ምዃኑ ኣፀቢቕና ንግንዘብ ኢና ኢሎም።
ቀንዲ ትኹረትና ጭቡጥ ውፅኢት ምምዝጋብ፣ ፅዕንቶ መንበሪ ኣባይቲ ህዝቢና ምቅላልን ኣብ መላእ ሃገር ንዝርከቡ ስድራቤታት ዝሐሸ ምዕራፍ ናብራ ምኽፋትን ምዃኑ እውን ኣመልኪቶም።