ኣዲስ ኣበባ፣ 22 ሚያዚያ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ መበል 29 ሰሙን ፀወታ ሲቢኢ ፕሪሚየር ሊግ ኢትዮጵያ መቐለ 70 እንደርታን ሃድያ ሆሳእናን ሓደ ማዕረ ተፈላሊየን።
ቀትሪ ሰዓት 7 ኣብ ስታዲየም ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝተኻየደ ፀወታ ናይ መቐለ 70 እንደርታ ሸቶ ኬኔዲ ገብረፃዲቅ እንተመዝግብ ንሃዲያ ሆሳእና ማዕረ ዝገበረት ሸቶ ድማ ፀጋኣብ ግዛው ኣመዝጊቡዋ።
መርሃ ግብሪ እቲ ሊግ እንትቕፅል ኣርባ ምንጭ ከተማ ምስ ኢትዮጵያ ንግድ ባንክ ካብ ሰዓት 10 ጀሚረን እናተፃወታ ይርከባ፡፡
ነገሌ ኣርሲ ምስ ፋሲል ከነማ ቀትሪ ሰዓት 9 ጀሚረን ኣብ ስታዲየም ዩኒቨርሲቲ ሳይንስን ቴክኖሎጂን ኣዳማ እናተፃወታ እንትኾና÷ ኢትዮጵያ ቡና ምስ ወልዋሎ ዓዲግራት ዩኒቨርሲቲ ምሸት ሰዓት 12 ክራኸባ ኢየን።