አትሌቲኮ ማድሪድ ምስ ማንቼስተር ዩናይትድ – ኣርሰናል ምስ ሊል

ኣዲስ ኣበባ፣ 3 ጥቅምቲ፣ 2019 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ 2ይ ዙር መርሃ ግብሪ ፀወታ ሻምፒየንስ ሊግ ኣውሮፓ ሎሚ ምሸት ኣብ ዝተፈላለያ ከተማታት ኣውሮፓ ትሽዓተ ፀወታታት ክካየዱ እዮም።

ማንቼስተር ዩናይትድ ወደ ስፔን ብምምራሕ ኣብ ሜትሮፖሊታኖ ምሸት ሰዓት 4 ምስ ኣትሌቲኮ ማድሪድ እትገጥመሉ ፀወታ ትፅቢት ይግበረሉ።

ኣብ ፕሪሚየር ሊግ ናብ ዓወት ንምምላስ ዝተፀገመት ጋንታ ማይክል ካሪክ፤ ኣብ ሻምፒየንስ ሊግ ካልኣይ ዓወታ ንምምዝጋብ ክትነሓናሕ እያ።

ብዲያጎ ሲሞኔ እትምራሕ ጋንታ ኣትሌቲኮ ማድሪድ ብግደኣ፤ ደርቢ ማድሪድ ሓዊሱ ኣብ ላሊጋ ዝገበረቶም ዝሓለፉ ኣርባዕተ ፀወታታት ብምስዓር ኣብ ዘደንቕ ብቕዓት ትርከብ።

ክልቲአን ጋንታታት ቅድሚ ሕዚ ኣብቲ መድረኽ ክልተ ግዘ ዝተራኸባ እንትኾና፤ ኣትሌቲኮ ሓደ ግዘ ስዒራ ሓደ ግዘ ድማ ማዕረ ተፈላሊየን።

ኣብ መወዳእታ እዚ ሰሙን ፀወታ ፕሪሚየር ሊግ ብቐዋምነት ዝተሰለፉ ኮቢ ማይኑን ሉክ ሾውን ብጉድኣት ካብቲ ፀወታ ወፃእ ኮይኖም ኣለዉ።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ተናሓናሒት ፍፃመ እቲ ውድድር ዝነበረት ጋንታ ኣርሰናል ብተመሳሳሊ ምሸት ሰዓት 4 ንፈረንሳዊት ጋንታ ሊል ኣብ ኤሚሬትስ ክተተኣናግድ እያ።

መድፈዐኛታት ኣብዚ ሰሙን ንሊድስ ዩናይትድ ብምስዓር ኣብ 5ይ ሰሙን መርሃ ግብሪ እቲ ሊግ ብራይተን ካብ ዘጋጠማ ስዕረት ንደሓር ናብ ዓወት ተመሊሶም እዮም።

ኣርሰናል ምሽት ኣብ ዝካየድ ፀወታ ክትስዕር እያ ዝብል ቅድመ ግምት ዝተውሃባ እንትኸውን፤ ሊል ብኣንፃሩ ኣብቲ መድረኽ ፈላማይ ነጥቢ ንምርካብ ክትነሓናሕ እያ ዝብል ትፅቢት ኣሎ።

ጋላታሳራይ ምስ ባርሴሎና፣ ቫይኪንግ ምስ ባየርን ሙኒክ፣ ቪያሪያል ምስ ናፖሊ፣ ኢንተር ሚላን ምስ ክለብ ብሩጅ፣ ኣርቢ ሌይፕዚግ ምስ ፒኤስቪ ብተመሳሳሊ ሰዓት ምሸት ሰዓት 4 ዝካየዱ ፀወታታት እዮም።

ካብዞም ፀወታታት ኣቐዲሙ ምሸት ሰዓት ለ፡45 ፤ ሎንስ ምስ ስፖርቲንግ ከምኡ እውን ሳባህ ባኩ ምስ ስላቪያ ፕራግ ክራኸባ እየን።

Comments (0)
Add Comment