መዓልቲ ፅንዓት ኣብ ትካላት ፀጥታን ድሕነትን ይኽበር ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 3 ጳጉሜን፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ጳጉሜን-3 መዓልቲ ፅንዓት ኣብ ትካላት ፀጥታን ድሕነትን ብዝተፈላለዩ መደባት እናተኸበረ ይርከብ።

እቲ በዓል ኣብ ኣዲስ ኣበባ መዘከሪ ዓወት ዓድዋ “ፅንዓት ንብራኸ ኢትዮጵያ” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ እዩ እናተኸበረ ዝርከብ።

ኣብቲ መርሃ ግብሪ፤ ሰራዊት ምክልኻል፣ ፖሊስ ፌደራል ኢትዮጵያ፣ ኣገልግሎት ሃገራዊ ሓበሬታን ድሕነትን፣ ምምሕዳር ድሕነት መርበብ ሓበሬታን ኢንስቲትዩት ሰብ ሰራሕ ብልሒ (ኣርቴፊሻል ኢንተለጀንስ) ኢትዮጵያን ዝወገኑዎም ተግባራት ክድህሰሱ እዮም።

እዞም ትካላት ሃገር ንምፅናዕ ዝኸፈሉዎ መስዋእቲ ከምኡ እውን ንኩለመዳይ ዕቤትን ምዕባለን ኢትዮጵያ ዘበርክቱዎ ኣስተዋፅኦ ኣፍልጦ ክወሃብ እዩ።

ካብዚ ብተወሳኺ ንሉኣላዊነትን ሃገራዊ ረብሓን ኢትዮጵያ ከምኡ እውን ዘላቒ ሰላም ንምርግጋፅ ዘካየዱዎም ውፅኢታዊ ስራሕቲ ከምዝድህሰሱ ተሓቢሩ።

ኣብቲ ስነ ስርዓት ምኽባር ኣፈ ጉባኤ ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽን ኣገኘሁ ተሻገር፣ ዋና ኮሚሽነር ኮሚሽን ሃገራዊ ዘተ ኢትዮጵያ መስፍን ኣርኣያ (ፕ/ር) ከምኡ እውን መራሕቲ ትካላት ፀፅታን ድሕነትን ተረኺቦም።

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment