መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ናብ ሊዮን ሓዱሽ በረራ ጀሚሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 24 ሰነ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ናብ ፈረንይ ከተማ ሊዮን ሓዱሽ ናይ መገደኛታት በረራ ከምዝጀመረ ዕላዊ ገይሩ፡፡

እዚ ድማ ነቲ መገዲ ኣየር ኣብ ፈረንሳይ 3ይ፣ ኣብ ኣውሮፓ ድማ መበል 23 ከምኡ እውን ቁፅሪ ዓለም ለኸ መብፅሒኡ 146 ዘብፀሖ ከምዝኾነ ተሓቢሩ፡፡

ዋና ፈፃሚ ስራሕ መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ መስፍን ጣሰው ኣብቲ እዋን ከምዝበሉዎ፤ ምጅማር እቲ ኣገልግሎት በረራ እቲ መገዲ ኣየር ንኣፍሪካ ምስ ዓለም ናይ ምርኻ ጉዕዞኢ ተወሳኺ ዓወት ኢዩ።

ናብ ሊዮን ዝጀመረ በረራ ዓለም ለኸ ተጓዓዝቲ ተወሳኺ ዕድል ዝፈጥር ከምዝኾነ ኣብሪሆም፡፡

መገደኛታት ካብ ምምልላስ ሓሊፉ ክለመዳያዊ ምትእስሳራት ንኽጠናኸሩ ዓቕሚ ንምፍጣር ዘኽእል ከምዝኾነ ተዛሪቦም፡፡

እቲ መገዲ ኣየር እዋኑ ዝጠልቦ ቴክኖሎጂ ዝተዓጠቑ ዓበይቲ ኣውሮፕላናት ኣብ ምስፍሕፋሕ ከምዝርከብ ብምሕባር፤ ኣብ ቀፃሊ እውን ቁፅሪ መብፅሒኡ ንምውሳኽ እናሰርሐ ከምዝኾነ ሓቢሮም።

ብሄኖክ ለሜ

Comments (0)
Add Comment