ኣዲስ ኣበባ፣ ነሓሰ 20፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ) ማንቼስተር ሲቲ ንሞሮካዊ ተፃዋታይ መንእሰይ ኣዩብ ቡኣዲን ብ85 ነጥቢ 6 ሚሊየን ፓውንድ ካብ ፈረንሳዊ ክለብ ሊል ናብ ኢትሃድ ምምፅኡ ዕላዊ ገይሩ።
እቲ ወዲ 18 ዓመት ተፃዋታይ መንእሰይ ኣብቲ ክለብ ንቐፃሊ ሓሙሽተ ዓመታት ክፀንሕ ዝኽእል ውዕል ከም ዝፈረመ ተገሊፁ።
ማንቼስተር ሲቲ ነቲ ዝውውር 81 ነጥቢ 4 ሚሊየን ፓውንድ ከም ቅድመ ክፍሊት ዝተፈፀመ ኮይኑ፣ እቲ ዝተረፈ 4 ነጥቢ 2 ሚሊየን ፓውንድ ድማ ከም ኣበርክቶ እቲ ተፃዋታይ ዝኽፈል ምኳኑ ተሓቢሩ፡፡