ማንቼስተር ዩናይትድ ምስ ብሬንትፎርድ

ኣዲስ ኣበባ፣ 19 ሚያዚያ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ መበል 34 ሰሙን መርሃ ግብሪ ፕሪሚየር ሊግ እንግሊዝ ማንቼስተር ዩናይትድ ኣብ ሜዳኣ ኦልድትራፎርድ ምሸት ሰዓት 4 ንብሬንትፎርድ ክተተኣናግድ ኢያ፡፡

ተሳትፎ ሻምፒየንስ ሊግ ኣውሮፓ ንምርካብ እናተናሓነሐት ትርከብ ማንቼስተር ዩናይትድ፤ ኣብቲ ሊግ ተኸታታሊ 2ይ ዓወታ ንምምዝጋብ ናብ ሜዳ ክትኣቱ ኢያ፡፡

ኣብቲ ሊግ ዝሓለፉ ሓሙሽተ ተኸታተልቲ ፀወታታት ብማዕረ ውፅኢት ዝዛዘመት ብሬንትፎርድ ብግደኣ ናብ ዓወት ንምምፃእ ክትነሓናሕ ኢያ፡፡

ክልቲአን ጋንታታት ኣብቲ ሊግ ሕድሕድ ካብ ዝገበረኦም ዝሓለፉ ሓሙሽተ ፀወታታት ክልቲአን ብተመሳሳሊ ክልተ ግዘ እንትዕወታ፤ ኣብ ተረፍ ሓደ ፀወታ ድማ ማዕረ ተፈላሊየን፡፡

ነቲ ሊግ ኣርሰናል ብ73 ነጥቢ እንትትመርሕ ማንቼስተር ሲቲ ብ70፣ ማንቼስተር ዩናይትድ ብ58 ነጥቢ 2ይን 3ይን ደረጃ ሒዘን ይርከባ፡፡

Comments (0)
Add Comment