ኣዲስ ኣበባ፣ 24 መስከረም፣ 2019 (ኤፍ ኤም ሲ)ኢትዮጵያ ኣብ ዝሓለፉ ናይ ለውጢ ዓመታት ዲፕሎማሲያዊ ርክባ ብምጥንኻር፣ መመሓየሺ ሃገር በቆል ኢኮኖሚ ብዓወት ብምትግባር፣ ከምኡ እውን ታሪኻዊ ሃገራዊ ዘተ ብምክያድ ብዙሓት ተግባራት ፈፂማ እያ።
እዞም ፃዕሪታት ዝማዕበለት ሃገር ንምህናፅ ዘኽእሉ መሰረታት ዘንበሩ እንትኾኑ፤ እታ ሃገር ሓዱሽ መንግስቲ ንምምስራት 25 መስከረም እናተፀበየት ትርከብ።
ዴሞክራሲያዊ ስርዓት እናነፀት ትርከብ እታ ሃገር ነዚ ስርዓት ብዘላቕነት ክቕፅል ዘኽእሉ ትካላት ኣብ ምጥንኻር ብትኹረት ትሰርሕ ኣላ።
ንኣብነት ብሄራዊ ቦርድ መረፃ ዳፃ ብምጥያሽ ናፃ፣ ዴሞክራሲናን ፍት㕲ን መረፃታት ብብቕዓት ንምፍፃም ዘኽእሎ ትካላዊ ውዳበን ፅኑዕ መሰረት ሕጊን ክህልዎ ተገይሩ።
ብንቁሕ ተሳትፎ ዜጋታት ዝተደገፈ ፍትሓዊን ተኣማኒን መረፃታት ብእዋኑ ንምክያድ ዘኽእል ቁመና ክላበስ ክኢሉ እዩ። በዚ ድማ ድምፂ ህዝቢ ኣብ ሳንዱቕ መረፃ ዝህቦ ድምፂ፣ ንፖለቲካዊ ቅቡልነት ብሕታዊ መሰረት ምዃኑ ኣረጋጊፁ።
ካልእ መርኣያ ዓወት ታሪኻዊን ባህላዊ ዴሞክራሲያዊ ልምዲን ክበሃል ዝኽእል ሃገራዊ መድረኽ ዘተ ምክያዱ እዩ። እቲ መድረኽ ዘተ ኣብ መንጎ ዝተፈላለዩ ክፍልታት ሕብረተሰብ ንነዊሕ ዓመታት ዝፀንሑ ሕቶታት ንምምላስን ሓባራዊ ምርድዳእ ንምፍጣርን ሰላማዊ ዘተ እቲ ቀንዲ መንገዲ ምዃኑ ኣመስኪሩ እዩ።
ተናሓናሕቲ ፖለቲካዊ ፓርቲታት ኣብ ዝምስረት መንግስቲ ብላዕለዎት ሓላፍነታት መንግስቲ ሓዊሱ ሃገሮም ከገልግሉ ዝኽእሉሉ ኩነታት ምፍጣሩ፣ ሓቛፊ ፖለቲካዊ ከባቢ ብምፍጣር ሓዱሽ ፖለቲካዊ ባህሊ እናዓበየ ንምምፃኡ መርኣያ እዩ።
ኣብ ስርዓት ምምሕዳር እምነት ካብ ዝፈጥሩ መለክዒታት እቲ ቀንዲ ዝኾነ ኣሰራርሓ ግልፅነትን ተሓታትነትን ምዕሳል፣ ከምኡ እውን ህንፀት ትካላት ምጥንኻር፣ ንምንቅስቓሳት ኢኮኖሚን ኣገልግሎታት ህዝቢን ብዘይ ምቁራፅ ክቕፅሉ ኣኽኢሉ።
ዴሞክራሲያዊ መንግስቲ ምምስራቱ ንዝተጀመሩን ኣብ መፃኢ ዝጅመሩን ዓበይቲ ፕሮጀክታትን ስራሕቲ ልምዓትን ብዘይ ምቁራፅ ክዛዘሙ ይገብር።
ኣብ ኢትዮጵያ ሓዱሽ መንግስቲ ክምስረት እንተሎ ወይ እውን ስግግር ምምሕዳርን ምምሕያሽን እንትግበር፣ እምነትን ድጋፍን ህዝቢ ብምሕዳስ ሰላም፣ ሕጊን ስርዓትን ሃገር ተጠናኺሩ ክቕፅልን ክዓቢን ይሕግዝ።
ትካላት ፍትሒን ድሕንነትን ዘይሻራዊነት፣ ግልፅነትን ተሓታትነትን ብምጥንኻር ሰናይ ምምሕዳር ንኽዓስል መገዲ ይኸፍት።
ዕዳጋ ማእኸል ዝገበሩ፣ ኢንቨስትመንት ወፃኢ ዝስሕቡን ውሽጣዊ ኣፍረይቲ ዘተባብዑን ሓደሽቲ ፖሊሲታት ኢኮኖሚ ንምሕንፃፅ ከምኡ እውን ነባራት ፖሊሲታት ተጠናኺሮም ንኽቕፅሉ ዕድል ይፈጥር።
ዝተረጋገፀን እናዓበየ ዝኸይድን ምቹው ፖለቲካዊ ከባቢ ካብ ዓለም ለኸ ትካላት ፋይናንስን መሓዙት ልምዓትን ዝርከብ ድጋፍ ንኽጠናኸር ቁልፊ ግደ ይፃወት።
ርክባት ዲፕሎማሲ ብምሕዳስ ኢትዮጵያ ኣብ ምብራቕ ኣፍሪካን ኣብ ዓለም ለኸ መድረኽን ዘለዋ ስትራቴጂካዊን ጂኦፖለቲካዊን ፅዕንቶ ብዝበለፀ ንምጥንኻር ይሕግዝ፤ ንውፃኢ ንግድን ፍሰት ቱሪዝምን እውን የነቓቕሕ።
ብሓፈሻ እቲ ሓዱሽ ምስረታ መንግስቲ ቃል ኪዳን ህዝቢን ዘሕድስ፣ ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ዝተመዝገቡ ዓወታት ልምዓት ብምምርኳስ ዝተጀመሩ ዓበይቲ ፕሮጀክታት ብምዝዛም ንኣገልግሎት ዘብቅዕ፣ ከምኡውን ዓለም ለኸ ፅዕንቶን ምስሊን ኢትዮጵያ ብምጥንኻር ንኽቕፅል ዝገብር ክኸውን እዩ።
ብምህረት ደምሴ