ልምዓት መስኖ ስርናይ ሓጋይ ብምግቢ ርእስኻ ንምኽኣል ዝተጀመረ ጉዕዞ ሱር እናሰደደ ከምዝኾነ ዘረጋግፅ ኢዩ – ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ
ኣዲስ ኣበባ፣ 7 ሚያዚያ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ልምዓት መስኖ ስርናይ ሓጋይ ሃርና ብምግቢ ርእሳ ንምኽኣል ዝተጀመረቶ ጉዕዞ ብተግባር ሱር እናሰደደ ከምዝኾነ ዘረጋግፅ ኢዩ ኢዩ ኢሎም ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ፡፡
እቶም ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ገፆም ኣብ ዘመሓላለፉዎ ሓበሬታ÷ ሎሚ መዓልቲ ኣብ ዞባ ደቡብ ወሎ ወረዳ ተሁለደሬ ክላስተር ኣሎማ ብመስኖ ሓጋይ ዝለምዐ ዝራእቲ ስርናይ ተመልኪትና ኢሎም።
መንግስቲ መደመር ንመፍረያይነት መስኖ ስርናይ ሓጋይ ዝሃቦ ትኹረት ህይወት ዜጋታት እናለወጠ ሉኣላዊነት ምግቢ ሃገር እናረጋገፀ ይርከብ እውን ኢሎም።
ሎሚ ዝተመልከትናዮ ልምዓት ስርናይ ውፅኢት ራኢና፣ ሓሳብና ባይታ ምዝባጡን ፍረ ምርካብናን ጭቡጥ መርአያ ኢዩ ክብሉ ኣመልኪቶም።
ሓረስቶት ብዝተደመረ ዓቕሚ ብምትጋህ ፀጋታት ተፈጥሮ ብምጥዋም ብኩሉ መዳይ ሃገር ናይ ምስጋር ስራሕና ተጠናኺሩ ክቕፅል ኢዩ ኢሎም።