ምዕባለ ኢትዮጵያ ንኽዕወት ብሄራዊ ሓርበኛታት የድልዩ – ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ (ዶ/ር)

ኣዲስ ኣበባ፣ 27 ሚያዝያ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ምዕባለ ኢትዮጵያ ንኽዕወት ብሄራዊ ሓርበኛታት የድልዩ ኢሎም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር)፡፡

እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር እዚ ዝገለፁ መበል 85 በዓል መዓልቲ ሓርበኛታት ኣመልኪቶም ኣብ ዘመሓላለፉዎ መልእኽቲ እንኳዕ ኣብፀሐኩም ኢዩ።

ኣብ መልእኽቶም ድማ ምዕባለ ኢትዮጵያ ንኽዕወት ብሄራዊ ሓርበኛታት የድልዩ፤ ንውልቀ ድሌት፣ ንባንዳነትን ንወራሪ እምቢ ዝብልን ሓበርበነት ኢሎም።

ናይ ኢንዱስትሪ ሓርበኛታት፣ ናይ ሕርሻ ኻርበኛታት፣ ናይ ፀፅታ ሓርበኛታት፣ ናይ ፖለቲካ ሓርበኛታት፣ ናይ ንግዲ ሓርበኛታት፣ ናይ ዲፕሎማሲ ሓርበኛታት፣ ናይ መንግስቲ ኣገልገልቲ ሓርበኛታት፣ ናይ ሕክምና ሓርበኛታት ከምኡ እውን ናይ ትምህርቲ ሓርበኛታት ከምዘድልዩ እውን ኣብሪሆም።

እዚ በዓል እነኽብሮ ናይ ባዕልና ደረጃ ሓርበኝነት ብምግምጋም ኢዩ ዝበሉ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር÷ ንኢትዮጵያ ክንደይ ዝኣክል ሓርበኛታት ኢና? ክብሉ ሓቲቶም፡፡

ሎሚ እውን ውልቃዊ ድሌት ዝስዕሮም ደካማታ ኣለዉ፤ ሃገር ኣፍሪሶም ናይ ውልቆም ገዛ ክሰርሑ ዝምነዩ ምዘለዉ ብምባል÷ ዓባይ መርከብ ኣፍሪሶም ኣናእሽቲ ታንኳታት ንምሻጥ ዝምነዩ ከምኡ እውን ንቅንጣብ ነገር ውርደት ንምስካም ዘይሓፍሩ ክብሉ እውን ኣብሪሆም።

ሎሚ እውን ወረርቲ ኣለዉ፤ ብኣካል ሃገር ንምውራር ካብዝምነዩ ብተወሳኺ ድኽነት፣ ድሕረትን ሌብነት ዝበሃሉ ከም ተሓግ ንሃገር ወሪሮም ዘዳኽሙ ፀላእቲ ኣለዉ ኢሎም።

ሃገር ንባዕዲ ምስ ዝሸጡ ባንዳታት ማዕረ ብሄራዊ ረብሓ ሃገር ንውልቀ ረብሓኦም ክብሉ ዝሸጡ ከምኡ እውን ብኣገልግሎትን ሃፍቲ ህዝቢን ዝሽቅጡ ባንዳታት ከምዘለዉ ኣመልኪቶም።

ብሄራዊ ሓርበኝነት ማለት እዞም ሰለስተ ፀላእቲ ተቓሊስካ ምስዓር ማለት ኢዩ ዝበሉ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር÷ ሎሚ እንሪኦ ለውጢን ዕቤትን ኢትዮጵያ ከመዝግብ ዝተኽኣለ በቢከባቢኡ ብሄራዊ ሓርበኛታት ስለዘለዉ ኢዩ ኢሎም።

ብሄራዊ ሓርበኛታት ሰለስቲኦም ፀላእቲ እናሰዓሩ ይኹኑ እምበር ጋና ሙሉእ ብሙሉ ከምዘይሰዓሩዎም ብምግላፅ÷ እቲ ዓወት ከም 27 ሚያዚያ ዝእወጅ ኢትዮጵያ ተምሳሌት ምዕባለ ኣፍሪካ ኢሉ እውን ኣብ ዓለም ካብ ዝርከባ ሓያላት ሃገራት ሓንቲ እንትትከውን ኢዩ ክብሉ ኣገንዚቦም።

እዚ ዓወት ጋህዲ ንምግባር ንኢትዮጵያ ዝፈትዉ ኩሎም ሓርበኛታት ኢትዮጵያ ንኽለዓሉ ፀዊዖም።

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment