ኣዲስ ኣበባ፣ 30 ሰነ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ምዕባለ ኢትዮጵያ ክሳብ ዝረጋገፅ ብኻባር ጠጠው ክንብል ኣለና ኢሎም፡፡
ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ 5ይ ዓመት ዘመን መበል 30 ስሩዕ ኣኼባ ኣባላት ቤት ምኽሪ ንዘቕረብዎ ሕቶታት ምላሽን መብርህን ሂቦም፡፡
እቶም ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ኣብ ዝሃቡዎ ምላሽ፤ ኣባላት ተናሓናሕቲ ፓርቲታት ፖለቲካ ሓሳብኩም ብግልፂ ዝተዛረብኩምን ብሰላማዊ መገዲ ንምቅላስ ዝፈተንኩምን ሰባት ጀጋኑ ኢኹም ኢሎም፡፡
ኣብ ዝሓለፉ ሓሙሽተ ዓመታት ኣባላት እቲ ቤት ምኽሪ ንዘበርከቱዎ ኣስተዋፅኦ ምስጋና ብምቕራብ፤ ንዴሞክራሲ ኢትዮጵያ ዘይነዓቕ ግደ ከምዝተፃወቱ ኣመልኪቶም፡፡
ተናሓናሕቲ ፓርቲታት ኣብ ፓርላማ ጥራሕ ዘይኮነስ ኣብ ካልኦት ዓውዲታት እውን ብምትሕብባርን ብሓባርን ክሰርሑ ከምዝግባእ ኣብሪሆም፡፡
ሓፍቲ ስራሕ መንግስቲ፣ ፖለቲከኛታትን ኣቦታት ሃይማኖትን ተጠቒምና ብዝሐሸ መጠን ኣብ ማእሰርቲ ዝርከቡ ሰባት ንምፍታሕ፣ ኣብ ወፃኢ ሃገር ንዘለዉ ሰባት ብይቅርታ ንምእታው፣ ኣብ ጫካ ዘለዉ ሰባት ብይቅርታ ክኣትዉ ንምግባር ልብና ሰፊሕ ክኸውን ኣለዎ ኢሎም፡፡
እንሓድጎ ንኢትዮጵያ ክንብል ኢዩ ዝበሉ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፤ ዕድል ከምዘለዎን ሓቢርካ ምስራሕ ከምዝከኣልን ክነርኢ ኣለና ኢሎም፡፡
ኢትዮጵያ ሰላማዊትን ምዕባለ ዝተረጋገፀላን ሃገር ንኽትከውን ብሓባር ክንሰርሕ ከምኡ እውን ክንነብር እንኽእል ሰባት ምዃንና ዓለም ክርኢ ምትሕብባርን ልብናን ክነስፍሕን ይግባእ ክብሉ ገሊፆም፡፡
ነዚ ድማ መላእ ህዝቢ ኢትዮጵያ ኣብ ጎንና ኮይኑ ንኽሕግዘና ፃውዒተይ የቕርብ ክብሉ ተዛሪቦም፡፡
ብወንድማገኝ ፀጋዬ