ኣብ ታሪኽ ልምዓት ከተማ ኢትዮጵያ ኣብ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ተጀሚሩ ናብ ክልል ከተማታት ዝተስፋሕፈሐ ልምዓት ኮሪደር ምስሊ ከተማታት ብዝለዓለ ደረጃ እናቐየረ ይርከብ።
ጎድና ጎድኒ እዚ ሰፊሕ ምንቅስቓስ ልምዓት ድማ ኣብ ውሽጢ ዘላ መንሪ መንደራት ደረጃ ንምምሕያሽ ዝተጀመረ ዝተዋደደ ሞዴል ህንፀት ብሎካት ከተማ ሓዱሽን ተስፋ ዝህብን ምዕራፍ ከፊቱ ኢዩ።
እዚ ሓዱሽ ኣቀራርባ ፕላን ከተማ ነታ ከተማ ዘበናዊ፣ ንፁህን ንነበርታ ምቹው ካብ ምግባር ሓሊፉ ማሕበራዊን ኢኮኖሚያዊን ምትእስሳር ዘጠናኽሩ ዘላቒ ትርጉም ሒዙ ኢዩ።
ብልምዲ ስራሕቲ ምሕዳስ ከተማ እንትለዓሉ ነባር ነበርቲ ምምዝባልን ስነ-ልቦናዊ ምብታን ማሕበረሰብን ቀዳማይ ስግኣት ነይሩ።
ልምዓት ሞዴል ብሎካት ከተማ ግን እዚ ኣካይዳ ዝቐየረ ኢዩ።
ነበርቲ ካብ ከባቢኦም እንተይተለዓሉ፣ ኣብ ዘለዉዎ መንደር ዘለዉ መንበሪ ኣባይቲ፣ ሓበራዊ መገልገሊን ናይ ውሽጢ መገዲታትን ብሓባር ኣብ ምልማዕ ዘድህብ ኢዩ።
እዚ ድማ ማሕበረሰቡ ንዘበናት ዘኻዕበቶ ማሕበራዊ ክብሪ እንተይተቋረፀ ብርኪ ናብራኡ ንኸመሓይሽ ዘኽእል ኢዩ።
እዚ ሞዴል ልምዓት መንበሪን ናይ ንግዲ ቦታን ኣብ ሓደ ኣጣሚሩ ዝሓዘ ኢዩ።
መብዛሕተኦም ትሑት ኣታዊ ዘለዎም ነበርቲ እታ ከተማ ህይወቶም ዝተመስረተ ኣብ ትሑት ንግዲን ስራሕቲ ውሽጢ ገዛን ኢዩ።
እቶም ብሎካት ናይ ንግዲ ሹቓት፣ ኣናእሽቲ ማኑፋክቸሪንግ ቦታታትን ማእኸላት ዕዳጋን ኣብ ውሽጦም ስለዘካትቱ፣ እቶም ነበርቲ ዝሐሸ መንበሪ ገዛ ምርካቦም ጥራሕ ዘይኮነስ ፍልፍል ኣታዊኦም ተሓሊዩ ንኽቕፅል ይገብር። እዚ ድማ ኣብታ ከተማ ዘሎ ድኽነት ንምንካይ ልዑል ኣስተዋፅኦ ዘበርክት ኢዩ።
ህንፀት ሞዴል ብሎካት ዕለታዊ ብርኪ ናብራ ነበርቲ ዘመሓይሹ ብዙሓት መሰረተ ልምዓታት ዘካትት ኢዩ።
ብሎኮቹ ለህፃናት መጫወቻ፣ ለአረጋውያን ማረፊያ እና ለስፖርት ማዘውተሪያ የሚሆኑ ስፍራዎችን ያካትታሉ።
ካብዚ ብተወሳኺ ማእኸላት ሓለዋ ማሕበረሰብ ሓቆፍ ፖሊስ ብምክታት ሰላም እቲ ከባቢ ዘተኣማምን እናገበሮ ይርከብ።
ካሊእ ናይዚ ሞዴል ልዑል ትርጉም ልዑል፣ ማእኸላይን ትሑትን ኣታዊ ዘለዎም ክፋላት ሕብረተሰብ ኣብ ሓደ ቦታ ከተኣናግድ ምኽኣሉ ኢዩ።
ናይዞም ብሎካት ዓወት ብቐንዱ ውፅኢት ዝተዋደደ ተሳትፎ መንግስቲ፣ ሰብ ሃፍቲን ነበርቲን ምዃኑ ኢዩ።
ኣብቶም ብሎካት ሕብረተሰብ ብጉልበቱ፣ ብገንዘቡን ብሓሳቡን ወናኒ እቲ ልምዓት ክመርሖ እናተገበረ ይርከብ፡፡
ብሓፈሻ ብሎካት ልምዓት ሞዴል ከተማ ኣዲስ ኣበባ እታ ከተማ ናብ ዓለም ለኸ ስታንዳርድ ካብ ምስግጋር ሓሊፉ፣ ማሕበራዊ ህይወትን ኢኮኖሚያዊ ዓቕሚን ነበርታ ብዘገናዘበ መልክዑ ዝትግበር ፍትሓዊ ስራሕቲ ምሕዳስ ከተማ ኢዩ።